ካድረታት
ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ወረዳ ፈርጣን ጋይንትን ዝርከብ ጉና ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎቦታት መሬት ከሊሎም ክሕዝእዎ ምዃኖም ብ30 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም ንነባራይ ህዝቢ ኣብ
ዘፍለጥሉ ነበርቲ ንሕና መሬትና ኣሕሊፍና ኣይንህበን መመገብን መውዐሊ ጥሪትናን እዩ ብምባል ንኣበባሃህላ ስበ ስልጣን እቲ ስርዓት ብምንፃግ ተቓዉምኦም ከም
ዘስምዑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
ኣስዒቦም እቶም ነበርቲ ሰበስልጣን ኢህወዴግ ሓልዮት ህዝቢ ዝበሃል
ጠፊእዎም ከም ዝፀንሐን እዚ ሕዚ ዝገብርዎ ዘለዉ እውን ናሃቱ
መቐፀልታ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ፤ እቲ ንዘመናት ጠሌ በጊዖምን ከብቶምን እናጓሰዩ ከርብሕሉ ዝፀንሑ ጎቦታት ጉና ኣብ ሎሚ
በፂሖም ክንሕዝኦ ኢና ምባሎም ከም ዘይቕበልዎን፤ ንዝመፅእ ስጉምቲ እቲ ስርዓት ክንዲ ዝሓተተ ይሕተት ዋጋ ክኸፍሉ ድሉዋት
ምዃኖም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ካብ’ቲ ቦታ ዝበፅሐና ሓበሬታ የረድእ፣