Tuesday, January 14, 2014

ኣብ ዞባ ኣዊ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ሕርሻን ኣማሓደርቲ’ታ ወረዳን ን4ተ መዓልቲ ብተኸታታሊ ዘካየድዎ ኣኼባ መዕለቢ ከይገበሩሉ ከም ዝተበተኑ ዝበፅሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣




እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ  ዞባ ኣዊ  ካብ ዝርከባ  11 ወረዳታት ዝተውፃፅኡ  ሰብ ሞያ ሕርሻን ኣማሓደርትን ካብ 01-04 ጥሪ 2006 ዓ/ም  ብተኸታታሊ ኣኼባ ምክያዶም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣጀንዳ ናይቲ ኣኼባ ድማ  ኣብ ኣጠቓቕማ መስኖ፤ ግደባን ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ንመንእስያት ዝብል እኳ እንተነበረ፤ ኣብቲ ርእሲ ኣመልኪቶም ብዝተለዓሉ ሕቶታት ብዘይምስምዕምዖም መፍትሒ  ከይተገበርሎም እቲ ኣኼባ ክብተን ከም ዝኸኣለ ተገሊፁ፣
     ነቲ ኣኼባ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ናይቲ ክልል ምክትል ሕርሻ ልምዓት ሓላፊ ዶ/ር ደመቀን ናይቲ ዞባ ዋና ኣማሓዳሪ ባዝዘው ጫኔ ከም ዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብቲ መድረኽ ኣኼባ ብተኣከብቲ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት፤ መንእስያት ባዕሎም ስራሕ ንምፍጣር ልቓሕ ንኽዋሃቦም ኣብ ዘቕርብዎም ሕቶ ዝወሃቦም መልሲ 100 ሽሕ ብር ብልቓሕ ንኽወስዱ 30 ሽሕ ብር ኣብ ባንኪ ገንዘብ ከትሕዙ ዝጠልብ ኣሰራርሓ ብህዝቢ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ፤ ከምኡ’ዉን መንግስትን ህዝብን ተረሓሕቖም ስለ ዘለዉ ኣብ ምስራሕ ግደባ ሓመድን ማይን  ዝሰርሕ ገባር ኣእሚንካ ክተኽትት ዝኽኣለሉ እዋን ብዘይምዃኑ ኣብ ክንድኡ ብመቕፃዕቲ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ምስ በሉ እዚ ድማ ክመሓየሽ እንተዘይክኢሉ ዓብዪ ሓደጋ ከም ዘለዎን ካልኦት ሕቶታትን ተላዒሎም እኳ እንተነበሩ ምላሽ ከይተውሃቦም እቲ ኣኼባ ከም ዝተበተነ ተፈሊጡ፣
ብካልእ ወገን ኣብ ዞባ ኣዊ ከተማ ኣዲስ ቅዳም ቀበሌ 01  ‘ቢወጣ ሆቴል’ ተፃዊዱ ዝፀንሐ ፈንጂ ብ29 ታሕሳስ 2006 ዓ/ም ተፈጂሩ እቲ ሆቴል ምስ መደቀሲ ክፍልታቱ ተቓፂሉ ከም ዝዓነወን ከምኡውን ሓንቲ ናይ መንግስቲ ቱዩታ ዝዓይነታ መኪንና ሙሉእ ብሙሉእ እንትትቃፀል ኣብቲ ከባቢ ዝፀንሑ ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ዝወረዶም ኮይኑ ነቲ ተግባር ዝፈፀሙ መንነት ዋላ እኳ ብግልፂ እንተዘይተፈለጡ ናባራይ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ግን ባዕሉ እቲ መንግስቲ እዩ እናበሉ ኣብ ምግላፅ  ከዝርከቡ ምንጭታትና ሓቢሮም፣