ኣብ
ክልል ትግራይ ዞባ ምዕራብ ዘመሓድሩ ዘለዉ ሽሞኛታት እቲ ስርዓት ዝኾኑ ኣይተ ፍስሃ በርሀ ዋና ኣመሓዳሪ ፤ ኣይተ ሃፍቱ
ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪን ኣይተ ግርማይ ዘርኡ ሓላፊ ገጠር ሕርሻን ስለስትኦም ብሓደ ኮሚቴ ኮይኖም ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ሰፊሕን
ስቡሕን መሬት ጉቦ ንዝሃብዎም ሰብ ፀጋ ሃፍቲ ሕግን ኣሰራርሓን ብዝጠሓሰ ክዕደሉ ይገብሩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እዞም ብዘለዎም
ስልጣን ተጠቕሞም ዘይግብኦም ዉልቃዊ ረብሓ ኣብ ምኽዕባት ተፀሚዶ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ዝኾነ ሰብ ልዕሊ ክልተ ዓመት ቀዋሚ ነባሪ
ኮይኑ ኣብቲ ዞባ እንተዘይ ፀኒሑ መሬት ኣይዋሃቦን ዝብል መማሓደሪ ደንቢ መሬት እኳ እንተሃለወ ክልተ ዓመት ንዘይተቐመጡ 11
ሰብ ሃፍቲ ካብ ሕድ ሕዶም መሚኢቲ ሽሕ ብጉቦ መልክዕ ስለ ዝተቐበሉ ነቲ ኣሰራርሓ ጥሒሶም መሬት ክዋሃቦም ዘፍቅድ ትእዛዝ ምስ
ሃቡዎም ብገለ ባይቶ እቲ ዞባ ተቓዉሞ ብምልዓሉ ኣብ ህፁፅ ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዘለው ተገሊፁ፣
ኣስዒቡ
እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ ባይቶ እቲ ዞባ ተኣኪቡ ብዛዕባ ኣተዓዳድላ መሬት እቶም 11 ሰባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝረኣየሉ ክልተ
ዓመት ኣብቲ ዞባ ዘይምቕማጦም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኮንትሮባንድ ተዋፊሮም ዝፀንሑ ሰባት ምዃኖም እናተፈለጠ
ንምንታይ መሬት ተዋሂቦም ዝብል ምፅራይ እናተኻየደ እንከሎ ካብ’ቶም 11 ሰባት፤ ወዲ ሽረ ዝተበሃለ ነባሪ ‘መሬት ክረኽቡ
ዝኸኣሉ ነቶም ኣመሓደርቲ ካብ ነፍሲ ወከፎም መሚኢቲ ሽሕ ምስተቐበሉ ከም ዝኾነ’ ስለ ዘቃለዐ እቲ ምስጥራዊ ሓበሬታ ናብቶም
ባይቶ ብምልሓኹ ዝተፈጠረ ክትዕ ክረዳድኡ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ዉሽጦም ዓብዪ ምፍጣጥ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ኣረዲኡ፣
ብተመሳሳሊ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ታደሰ (ወዲ ኣወጣሽ) ፍትሓዊ
ኣሰራርሓ ኣጢፍኡ ፀረ ሰናይ ምምሕዳር ክነግስ ይገብር ብምህላዉ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ካብ ስልጣኑ ይተኣለየልና ብምባል
ተኸታታሊ ሕቶን ተቓዉሞን ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣