Sunday, February 23, 2014

ህዝቢ ከተማ መቐለ ኣብቲ ብሽም 11 ለካቲት ዝተዳለወ በዓል ክርከብ ኣባላትን ካድረታትን ህወሓት ገዛ ገዛ እናዘሩ ከም ፈራርሕዎን ከም ገዲድዎን ተፈሊጡ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ዝኾነ ይኹን ነባራይ ከተማ መቐለ ኣብ በዓል 11 ለካቲት ክርከብ ከም ዘለዎ ብገንዘብ ዝተዓሰቡ ኣባላትን ካደርታትን እቲ ስርዓት ካብ 10 ለካቲት 2006 ዓ.ም ጀሚሮም ናብ ነፍሲ ወከፍ መንበሪ ገዛ እናዘሩ ሓይሊ ዝተመልኦ ትእዛዝ ክህቡ ዝወዓሉ እኳ እንትኾኑ ነባራይ ህዝቢ ነቲ ኣስገዳድ ዝተመልኦ ትእዛዝ ቅቡል ስለ ዘይገበሮ ኣብቲ በዓል ሰልፊ ሕዙ ናብ ሓወልቲ ሰማእታት ዝኸድ ዝነበረ ምስ በዝሒ ከተማ መቐለ እንትነፃፀር ካብ 2-3 ሽሕ ዘይበልፅ ከም ዝነበረ ኣረዲኡ።
ቅድሚ ሕዚ ህዝቢ ናብ ቀፅሪ ሓወልቲ ክኣቱ ከሎ ተጌሩ ብዘይፈልጥ መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰልፈኛ ብፌዴራል ፖሊስ ብደቂቕ እናተፈተሸ ክኣቱ ከም ዝተገብረን ብምኽንያት እቲ በዓል’ዉን ካብ ኣኽሱም ሆቴል ክሳብ ሓወልቲ ንእግረኛ ዕፅዉ ከይኑ ከም ዝወዓለን እቲ ህዝቢ ብእንዳሚካኤል ክኸይድ ብምግባሩ ንድኻምን ገልታዕታዕን ብምቅልዑ ተሳላችዩ መረረቱ ይገልፅ ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።
ኣብቲ መዓልቲ ሕድሕድ መንገድን ኣንጎሎን መእተዊን መዉፅእን ፅርግያታትን ከተማ መቐለ ካበይ ከም ዝመፁ ብዘይፍለጡ ሓደሽቲ ፌዴራል ፖሊስ ኣዕለቕሊቑ ከም ዝወዓለ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ። ብምዃኑ ድማ ካብቲ በዓል ዝካየደሉ ዝነበረ ሓወልቲ ሰማእታት ወፃኢ ክንቀሳቐስ ዝረኸብዎ ሰብ እንታይ ትገብር ኣለኻ ኣብዚ፤ ክትሰርቕ ዲኻ ደሊኻ፤ ኣሸባሪ ድኻ ተላኢኽካ ዲኻን ካልእን ብዝብሉ ሕቶታት እናዋጠሩ ከፈራርሑን ክኣስሩን ከገላትዑን ስለ ዝወዓሉ ነባራይ ህዝቢ መገዛእ መረበት ዓዱ ተሸቑሪሩ እታ በዓል ክሳብ ትሓልፍ ኣብ ገዝኡ ተዓፅዩ ክዉዕል ግድን ከም ዝወዓለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።