Saturday, March 31, 2018

ናይ ፕረስ ዓለምለኸ ትካል ንጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ 12 እንደገና ምእሳሮም ብጥብቂ ኮኒኑ።



እቲ ትካልን እስክንድር ነጋ ሓዊሱ እንደገና ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ፖሎቲከኛታትን ብህፁፅ ንኽፍቱሑ ፃውዒት ኣቕሪቡ።በዓል እስክንድር ነጋ እንደገና ምእሳሮም ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስዓኣኣት ለውጢ ከምዘድሊ ዘርኢ ምዃኑ ድማ ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ፣
ናይ ፕረስ ዓለምለኸ ትካል(ኣይፒኣይ) ምክትል ዳይረክተር ስኮትግሪፊን ከምዝበልዎ ቅድሚ ሕዚ ኡሱራት እንትፍትሑ ኣብ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ነገር ክመፅእ ኣዩ ዝብል ተስፋ ነይሩ። እዚኮይኑ እናሃለወ ግን በዓል እስክንድርነ ጋተ መሊሶም ክእሰሩ ምግባር ኣዝዩ ዘበሳጩን ተስፋ ዘቑርፅን ምዃኑ እቶም ምክትል ዳሬክተር ገሊፆም።ስለዚ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅን ሕግን ስርዓትን ንምኽባር ዝወፀ ዘይኮነስ ዜጋታት ዓፊኑን ምግዛእ ዝዓለመ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ኢሎሞ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ፣ናይቲ ትካል ኣብ ናይ ምብራቅ ኣፍሪካ ተማጓቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣይተ ፍሳሃ ተክሌን ድምፂ ኣሜርካ ከምዝገለፅዎ ድማ እቲ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኣብናይ ኢትዮጵያ ሕግን ስርዓትን ከምዘየለ የረድኡ። ከምኡእውን ሰባት ብምእሳርን ምፍታሕንለውጢ ከምዘ ይ መፅእ ወሲኾም ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment