እቶም
ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ጎኒ ዉድብ ህወሓት ተሰሊፎም ብምቅላስ ደሞምን ረሃፆምን ዘፍሰሱ ተጋደልቲ ተጋሩ ነበር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ቤት ፅሕፈት
ህወሓት ን11 ለካቲት ኣመልኪቶም ድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱን ነቲ በዓል ዝኸዉን ገንዘብ ከዋፅኡን ኣብ እተሓተትሉ “11 ለካቲት
ንዓና ካብ 11 ጥሪ ዝፈልያ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብላን ንሕና ዝተቓለስና ህዝቢ ክርባሕ ብርሃን ክርኢ’ምበር ኣብ ዓፈናን
ስቓይን ክነብር ኣይኮነን ብምዃኑ ድማ ብማሕበርና ይኹን ብዉልቅና ንህወሓት ንምድጋፍ ተበግሶ የብልናን” ክብሉ ምዝራቦም ካብ
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝበፀሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብ
መወዳእታ እቶም ተጋደልቲ ነበር ህወሓት ብምቅላስና በቲ ስርዓት ተጠርጠርትን ፍንፉናንትን ኮይና ኣብታ ተወለድና
ዝዓበናላ ከባብና እኳ ዘስርሓና ስኢና ዓዲ ቀይርና ክነብር ተገዲድና ኣለና። እቲ ቀደም ኣብ በረኻ ንፈልጦ ዉድብ ህወሓት እቲ
ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ህወሓትን ዘይረኻቡ ክልተጫፋት ብምዃኖም ኣብዚ እዋን እቲ ሽም እንተዘይ ኮይኑ ዉድብ ህወሓት ምስ ህዝቢ
ኣሎ ኢልካ ምድጋፍ ዳግም ኣብ መዘዝ ምእታዉ ምዃኑ ብተቓዉምኦም ዝገልፁ እንትኾኑ ካብቶም ብትሪ ዝተቓወሙ ድማ ለተብርሃን ክፍለ
(ጓል ሕንጣሎ) ሓንቲ ከም ዝኾነት እቲ ሓበሬታ የረድእ።