ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ከተማ ዓድዋ ብዉድብና ዴምህት ተድልዩ ዝተበተነ ፋምፕሌት ወረቐት ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ
ዓድን መናእሰይን እታ ከተማ ምስ ኣንበብዎ እቶም ብዛዕባ ዴምህት ኣፍልጦ ዘይፀንሖም መናእሰይ ከምዚ ዝበለ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽል
ዉድብ ኣብ ትግራይ ኣለና ድዩ እናበሉ ብግልፂ ኣብ እተዛረብሉ ብትእዛዝ ምምሕዳር ክእሰሩ ከም እተገብረ ንምፍላጥ ተኻኣሉ።
እቲ
ምምሕዳር ኣብ ልዕሊ እቶም መናእሰይ ዝወሰዶ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ዓድዋ ዓብዪ ስምዒት ፈጢሩ
ብምፅንሑ ድሕሩ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ንምንታይ ደቅና ተኣሲሮም ብምባል ከቢድ ሕቶ ብምልዓሉ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸበ ዋና ኣመሓዳሪ
ከተማ ዓድዋ ልኡል ኣበራ እቲ ፋምፕሌት ኣብ ድሮ 11 ለካቲት ኣብ እተበተነሉ ዓብዪ ምድንጋፅ ስለ ዝፈጠረልና ብዘይ ዝኾነ
ቅድመ ኩነት ምስኡ ዝተኣሳሰረ ዘረባ ዝተዛረበ ሰብ ክንኣስሮ ክእልና ክብል ከም ዝመለሰ ተፈሊጡ።
ኣብ
መወዳእታ እቲ በዓል ስልጣን ንሕና ዝኾነ መንእሰይ ከምዚ ዝበለ ፅሑፋት ኣንቢቡ ዉድባት ከይፈልጥን ተደናጊሩ ኣብ ጎኖም
ንኸይስለፍ ፈርሕና ዝወሰድናዮ ስጉምቲ እዩ ክብል ንዘምሎቖ ዘረባ
ተኣካቢ ህዝቢ ብግድኡ ንሕና ንስኹም ዝበልኩምና ጥራይ ዘይኮና ክንሰምዕ ዝደልናዮ ኣንብብና ክንፈልጥ መሰልና ምዃኑ ክተፈልጡ
ኣለኩም ኣንቢብና እንታይ ከም ንገብር ድማ ንዓና ይምልከት ደቅና ብከምዚ ወዲ ከምዚ ክትኣስሩ ግና ፍፁም ፀረ ህዝቢ ኣካይዳ
ትኽተሉ ኣለኹም ከም ዝበሎም እቲ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።