Sunday, March 23, 2014

ኣመሓደርቲ ጉጅለ ኢህወዴግ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዓብደ ራፊዕ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ተዋፍሮም ንዝሰርሑ ሰብ ሃፍቲ ተቓወምቲ ትሓብኡ ኣለኹም ብዝብል ካምቦታቶም የቃፅልዎ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ኣብ ክልል ኣማሓራ ከባቢ ዓብደራፊዕ ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ተዋፊሮም ካብ ዝሰርሑ ሰብ ሃፍቲ ኣይተ ፀጋይ መድሃንየ ሓደ ከም ዝኾነ ዝተቐሰ እቲ ሓበሬታ እዚ በዓል ሃፍቲ ድሌት ኣመሓደርቲ እታ ወረዳን ዞባን ከማልእ ብዘይምኽኣሉ ብመንገዲ ስለይኦም ጥቡቕ ሓለዋን ክትትል ክገብርሉ ድሕሪ ምፅናሕ ምስቶም ኣብ ሕርሽኡ ዝሰርሑ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ልኡዃት ተቓወምቲ ዉድባት ክሕብኡ ትገብር ኣለኻ ብዝብል ምኽንያት ከፈራርሕዎ ድሕሪ ምፅናሕ። ሰብ ኣብ ዘይብሉ ግዜ መሪፆም ነቲ ካምብኡ ብ17 ለካቲት 2006 ዓ.ም ብሓዊ ክቃፀል ከም ዝገበሩ ተገሊፁ።

እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ብሰንኪ እቲ ቃፀሎ ሓዊ ንሰራሕተኛታት ተባሂሉ ዝተቐመጠ 15 ኲንታል ሕሩጭ፤ 3 ጀረካን ዘይቲ ብልዒን ክልተ ማሕረሻ ትራክተርን ካልኦት ንብረታትን ሓቢሩ ከም እተቓፀለ ምስ ገለፀ እዚ ኣብ ልዕሊ  ፀጋይ ዝተበሃለ ንፅህ ዜጋ ሽሞኛታት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ፖለቲካዊ ሰበብ እናፈጠሩ ኣብ ልዕልኡ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ግፍዒ ስልጣኖም ተጠቕሞም ብምፍርራሕ ገንዘብ ብምምንዛዕን ዉልቃዊ ጥቕሞም ንምምላእ ክብሉ ዝገበርዎ ከም ዝኾነ ኣገንዚቡ።