Saturday, March 29, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከባቢ ከተማ ሽረ ዝርከቡ ነበርቲ መንበሪ ገዝኦም ብትእዛዝ ኣማሓደርቲ ከም ዝፈረሰ ተሓቢሩ።



እቶም ካብ ከተማ ሽረ ንኣንፍት መስመር ጎንደር ማይ ድሙ  ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ 20 ብ20 ብዝብል ብሕጋዊ መንገዲ መሬት መስርሒ ገዛ ተዓዲልዎም ዝሰርሕዎ ገዛውቲ፣ ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ  ብዘዉረድዎ ትእዛዝ መፍረስቲ ግብረ ሓይል ልዕሊ 12 ገዛውቲ ከፍርስ ከም ዝገበሩ ንግዳያታ መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።

   ብተወሳኺ ብሃንደበት ገዛውቶም ዝፈረሶም ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ መፅለሊ ኣብ በረኻ ተደብርዮም ኣደዳ ንፋስን ቁሪን ብምኳኖም ነቲ ኣብ ልዕልኦም ተፈፂሙ ዘሎ ፀረ ህዝቢ ተግባር ፍታሕ ንኽግበረሎም ናብ ዝምልከቶም ሰበ ስልጣን ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ ኣካል ከም ዝሰኣኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብተመሳሳሊ እቲ ስርዓት ብዘዋፍሮም ገዛ መፍረስቲ ግብር ሓይሊ ኣቢሉ ኣብ መላእ ሃገርና ዝፍፀም ዘሎ ናይ ዜጋታት ናይ ምንባር ሰብኣዊ መሰል ብርኡይ ይገሃስ ከምዘሎ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ኣብ ዜናታትና ምቅላሕና ይፍለጥ።