ኣብ ዞባ
ምዕራብ ትግራይ ምምሕዳር ወረዳ ከተማ ሑመራ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህቲ ብስራሕ ኣመኽንዮም ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ካብ ህዝቢ
መጠኑ ዝሓለፈ ጉቦ ክዋሃቦም ዝፀንሐ እንትኾን ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ነባሪ ህዝቢ ርትዓዊ ብዘይ ኮነ ግብሪን መዋጮ መስርሒ
ፋዉንዴሽን መለስን ካልኦትን ልዕሉ ዓቕሙ ኮይኑ መረረቱ ኣብ ምግላፅ ስለ ዘሎ ዝለመድዎ ጉቦ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ክሳብ ሃቡና
ምባል እኳ እንተበፅሑ ህዝቢ ግና ኣይንህብን ከም ዝበሎም ካብታ ከተማ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ።
በዚ
ዝተቖጥዑ ብግዝይና ዝጠልቀዩ ሰራሕተኛታት ሓይሊ መብራህቲ ኣብቲ ዝደልይዎ መንደር ቆፃሪት ኤሌክትሪክ ኣብ ዘይኮነ ኣሲሮም ስለ
ዘተሓሓዝዎ በቲ ኤሌክትሪክ ዝተለዓለ ሓደጋ ባርዕ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ገዛዉቲ፤ ትካላት ንግድን ንብረታትን ብምቅፃሉ ብሓፈሻ
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመት ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ከም ዝዓነወ ኣፍሊጡ።
በቶም
ዘይሓላፍነታዉያን ሰራሕተኛታት እቲ ስርዓት ምኽንያት ካብ ዝተቓፀሉ ትካላት
1.
“ኢትዮጵያ ቡና ቤት” ምስ 100 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረቱ ዓንዩ
2.
“ሉሲ ሆቴል” ምስ 120 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ከም ፍርጅን ዘናዊት ተሌቭዥንን ካልእን ናብ
ሓሙኽሽቲ ተቐይሩ ተሪፉ
3.
“ኣብርሃ ሆቴል” ኣብዚ’ዉን ተመሳሳሊ መጠን ዋጋኡ ዘይተነፀረ ብርክት ዝበለ ንብረት ከም ዝዓነወ ካብቲ
ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻእሉ፣
ካብቲ ዞባ እንከይ ወፃእና ኣብ ምምሕዳር ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ሓላፊ
ዕዳጋን ጨረታን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣይተ ጌታቸዉ ዝተበሃለ ሰብ ንብረት ክዕድግ ልዕሊ 500 ሽሕ ቅርሺ ሒዙ ኣዲስ ኣበባ
ብ22 ለካቲት 2006 ዓ.ም ምስ ከደ ክሳብ ሕዚ ከም ዘይተመለሰ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ እቲ ዉልቀ ሰብ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ
ኣብ ኢዱ ሒዙ ንዉልቁ ምምሕዳር ኮነ ኢሎም ሓቢርዎም ንኽበልዕዎ ኣተሓሒዞም ኣፋንዮም ዝብል ሓሜት ኣብ ህዝቢ ብሰፊሑ ይዝረበሉ ከም
ዘሎን
እቶም ኣመሓደርቲ ነቲ ሰብ ንምእላሽ ዝገበርዎ ፃዕሪ ዘይምህላዉ ድማ ነቲ
ሕሜት ኣረጒድዎ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት።