ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ እቶም ኣመሓደርቲ ክፍለ ከተማ ቀራኒዮ ብ17 ለካቲት
2006 ዓ/ም ነበርቲ ናይ’ታ ከተማ ብምእካብ መሬት ክንዕድለኩም ተጎጂልኩም ሕድ ሕድኩም 2500 ብር ክፈሉ ብምባል ነቲ ካብ
ህዝቢ ዝተኣከበ 150 ሽሕ ብር ሕዞሞ ከም ዝጠፍኡ ተገሊፁ።
መሬት
ክንዕድለኩም ገንዘብ ኣዋፅኡ ብምባል 150 ሽሕ ብር ካብ ዜጋታት ኣታሊሎም ሕዞም ዝጠፍኡ ኣካላት ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ቀራኒዮ
ኣይተ ጌታቸው ለማ ኣብ ክፍለ ከተማ ቀራኒዮ ወረዳ ሓላፊ ፀጥታን ሻምበል መስፍን ዝተባህሉ ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ህዝቢ
ዝተበልዐ ገንዘቡ ክምለሰሉ ንዝምልከቶም ኣማሓደርቲ እታ ክፍለ ከተማ ጥርዓን ኣብ ዘቕረቡ ውፅኢት ክረኽበሉ ከም ዘይከኣሉን ገንዘቦም
ተወሪሮም መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተካኢሉ።