Thursday, March 27, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ቀራኒዮ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ካብ ህዝቢ ዝተዋፅአ ገንዘብ ሕዞም ይጠፍኡ ምህላዎም ካብታ ከተማ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ  እቶም ኣመሓደርቲ ክፍለ ከተማ ቀራኒዮ ብ17 ለካቲት 2006 ዓ/ም ነበርቲ ናይ’ታ ከተማ ብምእካብ መሬት ክንዕድለኩም ተጎጂልኩም ሕድ ሕድኩም 2500 ብር ክፈሉ ብምባል ነቲ ካብ ህዝቢ ዝተኣከበ 150 ሽሕ ብር  ሕዞሞ ከም ዝጠፍኡ  ተገሊፁ።

መሬት ክንዕድለኩም ገንዘብ ኣዋፅኡ ብምባል 150 ሽሕ ብር ካብ ዜጋታት ኣታሊሎም ሕዞም ዝጠፍኡ ኣካላት ምምሕዳር ክፍለ ከተማ ቀራኒዮ ኣይተ ጌታቸው ለማ ኣብ ክፍለ ከተማ ቀራኒዮ ወረዳ ሓላፊ ፀጥታን ሻምበል መስፍን ዝተባህሉ ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ህዝቢ ዝተበልዐ ገንዘቡ ክምለሰሉ ንዝምልከቶም ኣማሓደርቲ እታ ክፍለ ከተማ ጥርዓን ኣብ ዘቕረቡ ውፅኢት ክረኽበሉ ከም ዘይከኣሉን ገንዘቦም ተወሪሮም መረረቶም ኣብ ምስማዕ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተካኢሉ።