Sunday, March 2, 2014

ኣብ ዞባ ሴሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ኣዘዝቲ ፖሊስ ዉድብ ዴ.ም.ህ.ት ሓደጋ ከብፀሐልና ይዳሎ ስለ ዘሎ ነዚ ንምክልኻል ንዳሎ ብምባል ኣብ ትሕቲኦም ንዝርከቡ ሓለፍቲ ኣኼባታት ይገብረሎም ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ኣኼባ ሓቢሮም።



   ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኮማንደር ገብረኪዳን ኪዳኑ /ወዲ ሽራሮ/ ዝተባሃለ ዕሉል ካድረ ህወሓት ኣብ ሸራሮ፤ ዓዲ ዳዕሮን ሽረን ንዝርከቡ ሓለፍቲ ወረዳ ፖሊስን፤ ሓለፍቲ ፀጥታን ምልሻን ኮማንደራትን ብ7 ለካቲት 2006 ዓ/ም  ኣኪቡ ዉድብናን መንግስትናን ብዴምህት መጥቃዕቲ ከይወርዶ ንስራሕ እናበለ መምርሒ ከም ዝሃቦም ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቲ ኣዛዚ  ፖሊስ ናይቲ ዞባ ካብ ዘቕረቦ ሓሳብ ነታ ክቡር መስዋእቲ ከፊልና ዘምፃእናያ 11 ለካቲት ሎሚ ውድብ ዴምህት ኣብ ውሽጥኹምን ጎንኹምን ብምእታው ሓደጋ ከብፁሕልና ይዳለዉ ኣለዉ። ሰለዚ ኩላትና ድልዋትን ጥንቁቛትን ንኹን ክብል ሓይሊ ዝተመልኦ መምርሒ  ከም ዘወረደሎም  ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ብህዝቢ ተተፊኡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ተቓውሞ ብዝሓየለ መንገዲ ኣብ ዝቕፅለሉ ዘሎ ግዜ ከምዚ ምባሎም መግለፂ ዓቕሊ ፅበታዊን ስጋቶምን እዩ ክብሉ ገለ ገለ ኣባላቶም ከይተረፊ ነቲ ብኣዘዝቶም ዝበሃሎም ዘሎ ዕለታዊ መዘራረቢ ገይሮሞ ከምዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።