ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ዝተፈላለየ ኣሳእል ዝሓዘ ናይ ወረቐት ሽልማት ምዕዳል ካብ ዝተረኸቡ ሰበስልጣን ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ጎይታኦም
ይብራህ ነቲ ዝተረኸበ ህዝቢ ኣይትቀየሙና ዝብል ናይ ምምፅዳቕ ምስሉይ ዘረባ ምስ ኣስመዐ እቲ ብጉቦን መጠኑ ዝሓለፈ ግብሪን
ሰንሰን ዝበለ ህዝቢ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ነቲ ብምኽትል ኣማሓዳሪ ዞባ እልፍየስ ታደሰን ብሓላፊ ፀጥታ እቲ ዞባ ደስታን
ዝቐረበሉ ሽልማት ኣየድልየናን ኢሉ ከም ዝነፀግዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብቶም ብ26
ለካቲት 2006 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ብምምሕዳር ዞባ ዝቐረበ መታለሊ ብፖስተራት ንዝተዳለወ ሽልማት ሕዚ ትካላትና ተዓፅዩ
ኣብ ከቢድ ክሳራ ምስ ወደቕና እንታይ ክዓብሰልና ኣይንቕበልን ኢሎም ካብ ዝነፀግዎ ነበርቲ ዉሽጢ ኣይተ ተስፋይ ወናኒ ፋርማሲ /ብዝብኢ
ቀትሪ ዝፍለጥን/ ሃለቃ ግደይ ዝተበሃለ ወናኒ ሆቴልን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ወገናት ከምዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።
ብተወሳኺ
እዚ ከምዚ ዝበለ ኣምሰሉ ዝኾነ ቅንዕና ዝጎደሎ ይቕሬታ በዲልናኩም ዝብል ዘረባ ኣብ ድሮ ምርጫ 2007 ዓ/ም ናብ ህዝቢ
ምቕራቡ ካድረታትን መሻርኽቶምን ክንደይናይ ኣብ ስግኣትን ፍርሕን ጥሒሎም ከምዘለው ዘመላኽት ምኳኖም ካብ ኣባልት እቲ ስርዓት
ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ብተመሳሳሊ
ኣብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ብሽም 11 ለካቲት ኣብ እተኻየደ ሰልፊ ኣይወፃኹን ዝተብሃሉ ብርክት ዝበሉ ወነንቲ
ተሽከርከርቲ ባጃጃትን ሞተር ሳይክልን ከተማ ሽረ ናይ ተሽከርካሪ
መምርሒ ፍቓዶም ብኣምሓደርቲ ተሓዲጎም ከይሰርሑ ከም እተኸልከሉ
ተፈሊጡ።
ኣብ 11 ለካቲት ናብ ሰልፊ ኣይወፃኹምን ተባሂሎም ብ18 ለካቲት 2006
ዓ/ም ናይ ተሽከርካሪ መምርሒ ፈቓዶም ዝተሓድጉ ወገናት ብዙሓት ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣይተ
ዘበርህ ኣለሙ ባጃጅ ዝዓይነታ ዝሓዘን ኣይተ ይሻለም ወናኒ ሞተር ሳይክልን ካብቶም ብዙሓት ገሊኦም ኮይኖም ነቲ ኣብ ልዕሊኦም
ተፈፂሙ ዘሎ ዘይፍትሓዊ እገዳ መምርሒ ፍቓድ ገበን እዩ ምስ በሉ
ፅባሕ ንጉሆ ግብሪ ክፈሉ ኣብ ንበሃለሉ መዓዝ ዝሰራሕናዮ ክንከፍል ብምባል ፍታሕ ንምርካብ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ሕቶ
ኣቐሪቦም ሰማዒ ከም ዘይረኸቡ እቲ ሓበሬታ የመልክት።