Thursday, March 27, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ወንበርማ ዝርከቡ ሓረስቶት ልዕሊ ዓቕሞም ግብርን መጠኑ ዝሓለፈ ወለድ ማዳበርያ ልቓሕን ግዳይ ጥምየትን ክሳራን ምዃኖም ተሓቢሩ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቶም  ሓረስቶት ክፍለዎ ዝበሃሉ ዘለዉ ግብሪ ምስ ዝረኽብዎ እቶት ዘይመጣጠን ብምዃኑ ከም’ዉን ብምምሕዳር ተገዲዶም ክወስድዎ ዝተገብረ ልቓሕ ማዳበርያ ልዑል መጠን ወለድ ክፈሉ ይበሃሉ ብምህላዎም ነዚ ዝፃወር ዓቕሚ መነባብሮ ዘይብሎም ብዙሓት ወገናት መረበቶም ራሕርሖም ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ኣገንዚቡ።

    ካብቶም ብዘይተመጣጠነ ልዕሊ ዓቕሞም ግብርን ወለድን ምፅዋር ኣብይዎም ስድርኦም ሕዞም ዝጠፍኡ መራሕቲ ስድራ ካብ ዝኾኑ ሓደ ኣይተ ኣበባው ዮሃንስ ዝተበሃለ  47 ሽሕ ብር ናይ ዕዳ ማዳበሪያ ልቓሕ ምስ ወለዱ ኣለካ ምስ ተብሃለ ዘይተጠቐመሉ ምኳኑ ብምግላፅ ተሰናቢዱ  መረበቱ ራሕሪሑ ከም እትሰወረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልፅ።

    ብሰንኪ  ዝምቡዕን ጉዕዙይን ምሕደራ ስርዓት ኢህወዴግ ብዙሓት ሃገሮም እናራሕርሑ ዝጠፍኡን ግዳይ ኣራዊትን ካልኦት ዓመፅን እናተቓልዑ ህይወቶም ንኾንቱ ዝጠፍኡ ዜጋታት ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ የረድእ።