Thursday, March 27, 2014

ኣብ ዞባ ስሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮ ብጉቦን ብወገነንትን ክሰርሑ ዝፀንሑ ኣማሓደርቲ ብቤት ምኽሪ እታ ወረዳ ክባረሩ ተወሲኑ እናሃለወ ኣብ ስርሖም ይቕፅሉ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



እቶም ኣማሓደርቲ ኣብ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዝስራሕ ኮብልስቶን /ምንፃፍ እምኒ ብወገንነትን ብጉቦን ሰሪሕኹም ተባሂሎም ድሕሪ ምግምጋሞም ብቤት  ምኽሪ ናይ’ታ ከተማ  ክባረሩ ዋላ’ኳ እንተተወሰነ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ ነቲ ዝተፈፀመ ተግባር ግዕዝይና ኣነኣእሶም ብምቕራብ ብመጠንቀቕታ ጥራይ ተሓሊፎም  ኣብ ስረሖም ክቕፅሉ  መመርሒ ምውራዶም ተፈሊጡ።

    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቲ ብቤት ምኽሪ ኣብ ልዕሊ ዋና ኣመሓዳሪ ከተማ ሸራሮ ወዲ ኣወጣሽን ምኽትሉ ተኽለ ዝተባህለን ዝተወሰነ ወሳነ ብዝኾነ በዓል ስልጣን ክግልበጥ ዘይግበኦ ውሳነ ብላዕለዎት ሰበ ስልጣን ምፍራሱ ነባራይ እታ ከተማ ኣብ ምንታይ ደኣ እዩ ህዝቢ ዝመረፆም ወከልቱ እናተበሃለ ዝዝረበሉ ብምባል ወከልቲ ከምዘይብሉ ተቓውሞ ብዝተፈላለየ መልክዕ የስምዕ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ብወገን ኣባላት ባይቶ እታ ወረዳ’ዉን ቤት ምኽሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ስማዊ መሸቀጢ እንተዘይኮይኑ ዋላ ሓንቲ ስልጣን የብሉን ክብሉ ቅሬትኦም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ገሊፁ።