ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ኣብ ወረዳ ወልቃይት ንዝስራሕ ዘሎ ፋብሪካ ሽኮር ክውዕል ተባሂሉ ካብ
ህዝቢ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ በቶም ብሰበ
ስልጣን ስራሕ መካየድቲ ናይቲ ትካልን ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ይዉዕል ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ካብቶም ገንዘብ ህዝቢ ዘጠፋፍኡ
ዘለዉ ናይቲ ዝስራሕ ዘሎ ፋብሪካሽኮር ሓላፊ ቴክኒክ ኣይተ ፀጋይ
ፍትዊ ሓደ ምዃኑ ገሊፁ።
ኣይተ ፀጋይ
ፍትዊ ኣብቲ ፋብሪካ ሓላፊ ቴክኒክ ኮይኑ ኣብ ዝሰርሕ ዘሎ ካብ’ቲ ትካል መሳርሒ ተባሂሉ ዝወፀ ገንዘብ ብዝሰረቖ
ኣብ ከተማ ሸራሮ ከባቢ መናሃርያ ደረጅኡ ዝሓለወ ፖላሶ ገዛ የሰርሕ ከምዘሎ እዚ ድማ በይኑ ዘይኮነ ኩሎም ኣብቲ ዝስራሕ ዘለው
ፕሮጀክት ዘመሓድሩ ሓለፍቲ ገንዘብ ብምስራቕ ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም ብተደጋጋሚ የውዕልዎ ምህላዎም ተፈሊጡ።
ፀጋይ ፍታዊ ዘስርሖ ዘሎ ደረጅኡ ዝሓለወ ህንፃ ዝተዓዘቡ ነበርቲ ከተማ
ሸራሮ። ካብ ድኻ ህዝቢ ንመሰረት ልምዓት እናተብሃለ ብካድረታት እቲ ስርዓት እናተመንዘዐ ዝእከብ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ከይወዓለ
በቶም ተለኣኣኸቲ ናይቲ ስርዓት ብተደጋጋሚ ምጥፍፍኡ ዉፅኢት ዝምቡዕ ኣሰራርሓን ብግዕዝይና ዝተጨማለቐን ምኳኑ ዘመላኽት እዩ
ክብሉ ገለ ወገናት ብምረት ይዛረብሉ ከምዘለው እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።