ኣብ ዞባ
ማእኸል ትግራይ ወረዳ መረብ ለኸ ጣብያ ኣሕስኣ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ ናይ ስዉኣት ሕርሻ መሬት ካብ
ስድርኦም መንጥሎም ንካልኦት ክዕድልዎ ኣብ ዝጀምርሉ እዋን ወለድና ኣሕዋትናን ደቂናን ስኢና ስኣን ቁሊሕ ዝብለና ዘኽትምና
ምትራፍና ከይኣክል ነታ ብሽሞም ዝተዋሃበትና ንእሽተይ ቁራስ መሬት’ዉን ክትወስድዋ ተበጊስኩም ብዝብል ኣብ ዘልዓልዎ ተቓዉሞ
ከቢድ ባእሲ ከም ዝተወለዐ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ።
ምምሕዳር
ወረዳን ጣብያን ምስ ዕሱባት ምልሻን ኣባላትን ተመሻጢሮም መሬት ስዉኣት ተጋደልቲ ብሃንደበት ኣሕድጎም ክዕድልዎ ኣብ ዝተበገስሉ
ግዜ ስድራ ስዉኣት ኣብ ዓብዪ ስምዒት ኣትዮም። “ካሕሳ ስዉኣትና እዙይ ኮይኑ፤ በቃ ኣኺልዎም ተረሲዖም ክተርፉ፤ ደሞምን
መስዋእቶምን ብህወሓት ደመ-ከልቢ ኮይኑ፤ ብሰላ መን ድኹም መንበረ ስልጣን ረኽብኩሞ፤ ወይለኹም ንስኹም ሕድሪ
ስዉኣት ትጠልሙ ዘለኹም እምበር ንሕና መሬት ስዉኣትና ኣሕልፍና ኣይንህብን” ብምባል ህዝቢ ምስ’ቶም ክዕድሉ ዝመፁ ልኡኳት
ብዝተለዓለ ባእሲ ሓደ ካብ ስድራ ስዉኣት እንትሞት ካብቶም ዘይፍትሓዊያን
ዓደልቲ መሬት ዝተቐተሉ ገብረመድህን ተኽለ መሬት ኣመሓዳሪ ጣብያን ተስፉ ሙልጌታ መካየዲ ስራሕ ናይ’ታ ጣብያ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።
ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ብስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ ተዓሲቡ መሬት ስዉኣታ መንጢሉ ንምዕዳል ላዕሊታሕቲ ዝብል ዝነበረ ዕሉል ካድረ ቀትሉ
ንባዕሉ ህይወቱ ዘጥፈአ ሓዉ ስዉእ ተጋዳላይ ኣታላይ መሓሪ ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።