Sunday, March 2, 2014

ብጉድለት ስነ-ምግባር ብዝብል ተቐፂዖም ካብ ስራሖም ተባሪሮም ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ክልል ትግራይ መሊሶም ናብ ፖሊስ ክኣትዉ መፀዋዕታ ይግበረሎም ከም ዘሎ ምንጭታትና ከብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሓቢሮም።




   ሰበ ስልጣን ፀጥታ ክልል ትግራይ ጥፍኣት ኣለኩም እናበሉ ንልዕሊ 8 ዓመት ካብ ሰረሖም ኣባሪሮሞም ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ሎሚ ቁሩብ ሕፍር ከይበሉ ይቕረታ ናብ ሰረሓኹም ተመለሱ እናበሉ መፀዋዕታ ደብዳቤ ይልእኸሎም ምህላው ዝገለፀ እቲ  ሓበሬታ ነዚ ንኽገብሩ ቀንዲ ዘገድዶም ዘሎ ድማ ዓቕሚ ዘለዎም ሓደሽቲ ምልምል ናብ ፖሊስ ዝኽተቡ መንእስያት ብምስኣኖም ዝወስድዎ ዘለዉ መማረፂ ምዃኑ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
  ካብቶም ንልዕሊ 8 ዓመት ፀገም ስነ ምግባር ኣለኩም ተባሂሎም ካብ ሰረሖም ተባሪሮም ፀኒሖም ግን ከኣ ኣብዚ እዋን በቲ ስርዓት ናይ ይቕረታ መፀዋዕታ ስራሕ ወረቐት ካብ ዝበፅሖም ኣባላት ፖሊስ ነበር ንምጥቃስ 1. ነጋሲ ማዓሾ ኣብ ባድመ ተራ ኣባል ፖሊስ ኮይኑ  ዝሰርሕ ዝነበረ፤ 2. ለማ በርሀ ወዲ ሽረ  መረማሪ ፖሊስ ዝነበረ ኣብ ሽረ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሽረ ንነዊሕ  ዓመታት  ተኣሲሩ ምስ ተፈትሐ ዕለታዊ መነባብርኡ ንምምራሕ ኣብ ሸቕሊ ተዋፊሩ ዝፀንሐ ካልኦት ዘይተጠቐሱ ከም ዝርከብዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።