ብመሰረት
ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ፀገዴ ከባቢ ደጀና ፍሉይ ቦታ ማይ ኣድጊ ኣብ ዝበሃል ብስእነት
መሬት ዝተፀገመ ህዝቢ ካብ ዞባ ዝመፁ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት መሬት ዘይብልኩም ተወደቡ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ዝኸዉን
ገንዘብ ኣዋፂእኹም ክፈሉ መሬት ክንህበኩም ኢሎም ድሕሪ ምዝራቦም 40 ዝኾኑ ሰባት ተጎጂሎም ልዕሊ 350 ሽሕ ቅርሺ ኣዋፂኦም ብ20
ለካቲት 2006 ዓ.ም ምስ ኣረክብዎም ንካልኦት ሰባት ዝተዓደለ መሬት ዳግም ዓዲለሞም ከም ዝተሰወሩ ተፈሊጡ።
እቶም ኣብ
ልዕሊ ሓረስታይ ህዝቢ ልዕሊ 350 ሽሕ ዝበልዑ ኣመሓደርቲ ብሕጋዊ መንገዲ ንካልኦት ዝተዓደለ መሬት ምዃኑ እናፈልጡ ምስ
ሃብዎም ድሕሮም ዋንነት ካልኦት ሰባት ምዃኑ ዝፈልጡ እቶም 40 ሰባት ነቶም ኣጭበርበሮም መሬት ብምዕዳል ገንዘቦም ዝወሰዱ ኣብ
ቁፅፅር ዉዒሎም ክሕተቱ ዝከኣሎም ፀዓሪ እኳ እንተካየዱ እናተሓብኡን የለዉን ንስራሕ ገሾም እናበሉን ክሳብ ሕዚ ተሓቢኦም ኣብ
ዘለዉሉ ዝተሓባበሮም ኣካል ስኢኖም ኣብ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ዘለዎም
ስልጣን ተበሊፆም ዘይግብኦም ዉልቃዊ ረብሓ ንምርካብ ተመሓዝዮም ግዕዙይ ተግባር ዝፈፀሙ ሰባት።
1.
ምክትል ዞባ ኣመሓዳሪን ሓላፊ ልምዓት መሬትን ኣይተ ወለንሰአ
2.
ኣብቲ ዞባ ሓላፊ መሬት ዕደላን ቁፅፅርን ኣይተ ለኣከ እንትኾኑ ከምኡ’ዉን ብትሕትኦም ኮይኖም ነቲ
ግዕዙይ ተግባር ናብ ህዝቢ ወሪዶም ካብ ዘተሓባብሩ ዝነብሩ ክብሮም ለማን ወዲ ቀሽን ዝተበሃሉ ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።