Friday, March 7, 2014

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ዝርከቡ ኣምሓደርቲ ኣብ ልዕሊ ነባራይ ህዝቢ ግፍዕታት የውርዱ ምህላዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ  ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ለምለም ቑሸት ዓዲ በዙት  ዝርከቡ ኣማሓደርቲ  ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ንህዝቢ ዝተዓደለ ናይ ሕርሻ መሬት እናመንጠሉ ይወስድዎ ከም ዘለዉን ነቶም ተሓደጉ ወገናት ድማ ሕቶ ንኸየልዕሉ ብመንገዲ ኣባል ፈፃሚት እታ ቁሸት የፈራርሕም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

  ብፍላይ መጋበርያ እቲ ስርዓትን ኣባል ፈፃሚት ጣብያ ለምለም   ዝኾነ ኣረፋይነ ተስፋይ ዝተበሃለ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ኮይኑ ንነባራይ ህዝቢ እናፈራርሑን መሬቶም ብዘይ ካሓሳ  እናመንጠሉን  20 ብ20 ብዝፍለጥ ዝነበረ መንበሪ ገዛውቲ ኣብ ምፍራስ ኢድ ከምዝነበሮ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ  በዚ ተግባር ዝተቆጥዑ ወገናት ብሂወቱ ክፋረድዎ  ከይዶም ምስ ሳኣንዎ  ንልዕሊ 20 ሽሕ ብር ዝግመት ሓሰር ናሃቱ ከም ዘቃፀልዎን ክሳብ ሕዚ ኣባላት ፀጥታን ፖሊስን ብምዃን መን እዩ ኣቃፂልዎ? ኣዉፅእዎ እናበሉ ወገሐ ፀበሐ ኣኼባ እናፀዉዑ ነቲ ሕብረተ ሰብ ኣሰላችዮሞ  ከም ዘለውን ክሳብ ሕዚ ከምዘይተረኸቡን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።