ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ዚገም ካብ 6 ለካቲት
2006 ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታታሊ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ኣብ ሰበስልጣን ዝረአ ዘሎ ዓይኑ ዘፍጠጠ ግዕዝይና ከምዘሎ ከምኡ’ዉን
ነቶም ብተሳተፍቲ ዝቐረቡ ወሰንቲ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ብዘይምርካቦም ዝቀሓሩ
ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ እታ ወረዳ ካብ ስርሖም ይለቁ ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።
ተሳተፍቲ ካብ ዘልዓልዎም ሕቶታት ገሊኦም። “ኣብታ ወረዳ ዝርከቡ
ዝተወደቡ ሰበ ስልጣን ንመህነፂ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክዉዕል ተባሂሉ ዝተመደበ 1.2 ሚልዮን ብር እቲ ህንፃ መሰረቱ ገና
ከይተወደአ ጠቕላላ ተዛዚሙ ኢሎም በሊዐሞ ከብቅዑ ንምንታይ
ዘይተሓተቱ፤ ብኣዴን ናይ ሓሶት ድግሪ ሒዞም ንዝሰርሑ ኣመራርሓ ንምንታይ የተባብዖም ኣሎ? ህዝቢ ኣምሓራ ከም ህዝቢ ክብሪ
ስኢኑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ብኣዴን ይዘልፍዎን የዋርድዎን ኣለዉ ንምንታይ ስርሖም ጠጠዉ ኣቢሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዘይቐርቡን”
ካልእን ዝብሉ ከም ዝነበሩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ነዞም እዋናዊ ህዝባዊ ሕቶታት ሰበ ስልጣን
ንምንታይ ግቡእ መልሲ ዘይሃብሎም ብዝብል ቅሒሮም ኣብታ ወረዳ ስራሕ መልቀቒ ዘእተዉ ልዕሊ 12 ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ እኳ
እንተኾኑ ክሳብ ሕዚ ዝለቐቑ ኣይተ ብርሃኑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና፤ ኣይተ እሱባለዉ እርቅይሁን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ፤
ኣይተ ሻምበል ወልዴ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማይ፤ ኣይተ ምሉነህ መላክ ካብ ቤት ፅሕፈት መናእሰይን ስፖርትን ከም ዝኾኑ ኣገንዚቡ።
ካብ ዞባ ኣዊ እንከይ ወፃእና ኣብ ወረዳታት
ዚገም፤ ጓንጓን ኣንካሻን ካብ ዝነብሩ ሓረስቶት ኣብ ስራሕቲ ዛላ /ሓመድን ዕቀባን/ ሓደ መዓልቲ ዘብኮረ ሰብ ካብ 100 ክሳብ
120 ብር ይቕፃዕን ይእሰርን ክምዘሎ ካብተን ከባቢታት ዝበፀሀና ሓበሬታ የመልክት።