Thursday, October 23, 2014

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳሰላሰ ዝርከቡ ወነንቲ ቤት ቁርስታትን ቤት ሻሂን ቀረብ ሽኮር ብምስኣኖም ትካላቶም ክዓፅዉ ይግደዱ ኣብ ዘለዉሉ ነቲ ፀግም ዝፈትሕ ምምሕዳር ብዘይምርካቦም መረረቶም ይገልፁ ምህላዎም ተሓቢሩ፣





ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝነብር ህዝቢ ብከንቲባ እታ ከተማ መረሳ ኣታኽልቲ ብ5 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ኣብ ዝተገብረሉ ኣኼባ ወነንቲ ቤት ቁርስን ካልኦት ንስርሖም ሽኮር ዘድልዮም ትካልትን ሽኮር ጠቕሊሉ ካብ ዝጠፍእ ነዊሕ ግዜ ኣቑፂሩ እናሃለወ ነዚ ፀገም ተዓዚቡ ፍታሕ ዝገብር መንግስታዊ ኣካል ብዘይምህላዉ ንግዲ ፍቓድኩም ተረከቡና ክብሉ ብምረት ከም ዝተዛረቡ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ገሊፆም፣
ነቲ መድረኽ ዝመርሕ ዝነበረ ከንቲባ መረሳ ኣታኽልቲ ነቲ ዝቐረበሉ ኣዋጣሪ ሕቶታት ብኣግባቡ ክምልስ ዓቕሚ ብምስኣኑ። “እሞ ኣነ ሽኮር ክኾነልኩም ዲኹም ደሊኹምኒ” ክብል ኣግባብነት ዘይብሉ መልሲ ስለ ዝሃቦም ብትዕቢቱ ዝቓሓሩ ተኣከብቲ  ከም መጠን ኣመሓዳሪ ፍታሕ ክትገብር ኢና ንዛረብ ዘለና ብምባል ነቲ ብሰንኪ ስእነት ቀረብ ሃለኽቲ ነገራት ኣብ መነባብርኦም ዝበፅሖም ዘሎ ቅልዉላዉ ከም ዝተዛረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣