እቶም ኣብ መሸጣ ኣፅዋር ዝተዋፈሩ ኣባላት
ምክልኻል ሰራዊት ብታርጋ ቁፅሪ 01931 መ.ከ እትፍለጥ ፓትሮል
ዝዓይነታ መኪና 17 ሽሕ ጥይት ፂዒኖም፣ ካብ ሸረ ተበጊሶም ብመስመር ማይ-ፀብሪ ናብ ጎንደር ክሓልፉ ኣብ ድልድል ተኸዘ ምስ
በፅሑ ኣብ ፍተሻ ምስ ተታሓዙ ነቲ ዝሽየጥ ጠያይት ፅዒኑ ዝነበረ
ኣዛዚ ሰራዊት ኣብ ሓለዋ እቲ ድልድል ንዝነበሩ ዕጡቋት 10 ሽሕ ብር ጉቦ ከፊሉ ከም ዝሓለፈ ካብ’ቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።
እታ ጠያይት ዝፀዓነት መኪና ንጎሆ ሰዓት
3፣00 ካብቲ ዝፀዓነትሉ ቦታ ምስ ወፀት ሰዓት 9፣00 ድሕሪ ቀትሪ ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊት
ተኸቲሎሞም ከም ዝኸዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እንተኾነ ንኸይንቀሓሎምን ኣብቲ ግዕዙይ ተግባር ኢድ ከም ዘይብሎም
ንምምሳልን ኣብ ድልድል ተከዘ ኣብ ፍተሻ ነርክባ ዶ ንኸውን ክብሉ ምሕታቶም ንምድንጋር ዝተጠቐምሉ ሜላ ድኣ’ምበር ብዘይ
ንሃታቶም ኣፍልጦ ዝተፈፀ ከም ዘይኮነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።