Tuesday, April 8, 2014

ብ14 መጋቢት 2006 ዓ/ም ኣብ ከተማ በረኸት ፀጉረ ለወጥ ተራእዮም ብዝብል፣ ዕጡቓት ናይቲ ስርዓት፣ ዋላ ሓንቲ በደል ንዘይብሎም ንፁሃት ወገናት ከም ዝኣሰሩ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።



       ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከተማ በረኸት ፀጉረ ለወጥ ተራእዮም ብዝብል ምኽንያት ካብ ሑመራ ብክልተ ፓትሮል መካይን ተፃዒኖም ናብ ከተማ በረኸት ዝኸዱ ኣባላት ፖሊስን ሚልሻን ኣብ’ታ ከተማ ሰሪሖም ንዝነብሩ ዉልቀ ሰባት ኣሲሮም ከም ዝወሰዱ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ካብ’ቶም ተኣሲሮም ዝተወሰዱ ወገናት ንምጥቃስ፦
       1. ኣፍወርቂ ኣስመላሽ ዝተባህለ ብንግዲ ዝመሓደር
       2.ፍተሃ ነገስ ተኹሉ ዝተባህለ በዓል ካሮ ዝርከብዎም ኮይኖም ምስ ተቓወምቲ ትራኸቡ ኢኹም ኢሎም ዓፊኖም ምስ ወሰድዎም ኣበይ ከም ዘለዉ ክሳብ ሕዚ ደሃዮም ከምዘይፍለጥ ምንጭታትና ወሲኾም ሓቢሮም።

ካብዚ ብምብጋስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገዛኢ ዉድብ  ዝወስዶ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ስጉምቲ ኣብ ዉሽጡ ክሳብ ክንደይ ራዕድን ሽበራን ኣትዩዎ ከም ዘሎ ዘመላኽት እዩ ክብሉ መዛረቢ ዛዕብኦም ኮይኑ ከም ዘሎ  ንምፍላጥ ተኻኢሉ።