Tuesday, April 8, 2014

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ንግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተቓወሙ መንእሰያት ናብ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ኣብ’ዚ ቅንያት ተፀምቢሮም።




           ካብ’ቶም ዝተፀምበሩ ንገሊኦም ንምጥቃስ፦
1.   ሰላም ገብረመስቀል መሓሪን ዳዊት ገብረመስቀል መሓሪን ክልቲኦም ካብ ዞባ ምብራቕ፤ ወረዳ ጉለሞኾዳ፤ ጣብያ ሰበያ፤ ቁሸት ዓዲ ቤተክርስትያን
2.  ፍሻለ ዳኒኤል ሃይለማርያም ዞባ ማእከል፤ ወረዳ መረብ ለኸ፤ ጣብያ  ዓንዴለ፤ ቁሸት ምዳቕ ምፃይ
3.  ተስፋኪሮስ ሓድሽ በራኺ ዞባ ማእከል፤ ወረዳ ኣሕፈሮም፤ ጣብያ ማይሱሩ፤ ቁሸት ሃገረሰላም
4.    ሓጎስ ግርማይ ወልዱ ዞባ ምብራቕ፤ ወረዳ ኢሮብ፤ ጣብያ ዓገረለኹማ፤ ቁሸት ከረዳ
5.    ፅጋብ ዓዘራ ሓጎስ  ዞባ ምብራቕ፤ ወረዳ ኢሮብ፤ ጣብያ ዓውዳ፤ ቁሸት ዓውዳ
6.    ብርሃን ጠዓመ ተስፋ  ዞባ ምብራቕ፤ ወረዳ ጉለ-መኸዳ፤ ጣብያ ሰበያ፤ ቁሸት ኣብላለ
7.    ኣብርሀት ገብረመስቀል ተስፋ ዞባ ምብራቕ፤ ወረዳ ኢሮብ፤ ጣብያ ዓገረለኹማ፤ ቁሸት ዓገረለኹማ
8.    ብርኽቲ ሃፍተ ደመወዝን ሚዛን ተኽላይ ፍሰሃየን  ክልቲአን ካብ ዞባ  ማእከል፤ ወረዳ መረብ ለኸ፤ ጣብያ ማይ ወዲ ዓምበራይ፤ ቁሸት ዓዲገባ
9.    ወልዳይ ገብረሚካኤል በርሀን ገብረ ደሱ ብርሃነን  ክልቲኦም ካብ ዞባ ማእከል፤ ወረዳ መረብ ለኸ፤ ጣብያ ምሕቛን፤ ቁሸት ዓዲገረየሱስ
10.  ዑመር በሽር ዓጣ  ዞባ ማእከል፤ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው፤ ጣብያ ውቕሮ ማራይ፤ ቀጠና 2
11. መሓሪ ዳኒኤል ሃይለማርያም ዞባ ማእከል፤ ወረዳ መረብ ለኸ፤ ጣብያ ዓንዴልቁሸት ምዳቕ ምፃይ
12. በርሀ ገረዚሄር ይፍጠር ዞባ ማእከል፤ ወረዳ ኣሕፈሮም፤ ጣብያ ዓዲ ቅሌቶ  ቁሸት ቆርቆር
13.  እያሱ ተኽለ ዞባ ማእከል፤ ወረዳ መረብ ለኸ፤ ጣብያ ምሕቛን፤ ቁሸት ገብረየሱስን ካልኦትን ከም ዝኾኑ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ፣

   ካብ’ዞም ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዝተፀምበሩ መናእሰይ ዑመር በሽር ዓጣ ሓደ ኮይኑ ንሱ ናብ ቃልሲ ዘፀምበሮ ምኽንያት እንትገልፅ ቅድም ክብል ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ህወሓት ተሰሊፉ ክሳብ ስርዓት ደርጊ ዝድምሰስ እጃሙ ዘበርከተ እኳ እንተኾነ ኢህወዴግ ድሕሪ ስልጣን ምጭባጡ ኩሉ በቲ ዉድብ ዝእቶ ዝነበረ መብፅዓታት ተጠሊሙ ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን መሰል ዜጋታት ተረጊፁ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ኣባል እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዉድብ እንተዘይኮይኑ ኣሸባርን ፀረ-ሃገርን ተባሂሉ እናተጠመቐ ካብ ዝተፈላለዩ ነገራት ተገሊሉ ናብራ ምስ ሓሰሞ እንከይፈተወ ኣባል ንክኸውን ይግደድ ከም ዘሎ ብምረት ኣረዲኡ።