Thursday, April 10, 2014

ኣመሓደርቲ ከተማ ሸራሮ ንመንእሰያት እታ ከተማ ኣኪቦም ንልምዓት ተወደቡ መንግስቲ ከተሓባብረኩም ተላዒሉ ኣሎ እናበሉ ክመባፅዑ ኣብ ዝወዓልሉ ብወገን ተኣከብቲ ዘይትግበር መደናገሪ መብፅዓ ብምባል ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ።



ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ከተማ ሸራሮ ዝነብሩ መንእሰያት ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታትን ኮለጃትን ተመሪቖም ስራሕ ብዘይምርካቦም ኣብ ዘየድሊ ቦታት ክዉዕሉ ይግደዱ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ሓለይቲ ክመስሉ ኣመሓደርቲ እታ ከተማ ብ23 መጋቢት 2006 ዓ.ም ኣኪቦም በቲ ምምሕዳር ዝደልዮ ተወደቡ ጥራይ’ምበር  ክንዲ ዝደለኹሞ ልቓሕ ብምሃብ ንስራሕቲ መስኖ ዝዉዕል ማይ፤ ምስባሕ ከብቲ፤ ምርባሕ ደርሁ፤ ምምራት ብሉኬትን ካልኦትን ኣብ ዝጥዕም ሰፊሕ ቦታ ክንህበኩም ኢና ብምባል ክመባፅዑ ከም ዝወዓሉ ካብ’ቲ ቦታ ካብ ዝበፀሓና ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።

ኣብቲ ብሓላፊ ደቀቕትን ኣናሽተይን ንግዲ ትካላት መ/ር ተኽሊት፤ ብሓላፊ መናእሰይ ሃለቃ ኣምሃን ኣብርሃለይን ዝተበሃሉ ሰበ ስልጣን እታ ወረዳ ኣብ ዝተመርሐ ኣኼባ ዝተረኸቡ መናእሰይ ብወገኖም ንስኹም ትዛረብዎ ዘለኹም ሓዱሽ ነገር ዘይብሉ እቲ ዉድብ ይኹን እቲ ስርዓት ካብ ህፃዉንትና እንተለና ኣትሒዙ ዝኣትዎ ዝነበረ ልሙድ መታለሊ መብፅዓታት ኢኹም ትደግሙልና ዘለኹም ብምባል ንሓሳቦም ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ።

ካብቶም ነቲ ብመራሕቲ እቲ መድረኽ ዝቐረበ መታለሊ ዘረባ ፊት ንፊት ሓሳቦም ኣቕሪቦም ካብ ዝነፀግዎ መናእሰይ በርሀን ወዲ መቃራይ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ዝርከብዎም እንትኾኑ ንሳቶም ኣብ ሓሳቦም ህዝቢ ሸራሮ ፅሩይ ማይ ስኢኑ እናተሳቐየ ዘይፈታሕኹምሉ ንመስኖ ዝኾን ማይ ክነቕርብ ምባልኩም ክሳብ ክንደየናይ ካብ ሓቂ ርሒቕኩም ከም ዘለኹም ተዓዝብናኩም ኣለና ከም ዝበልዎምን እቲ ኣኼባ ብኡንብኡ ብዘይ ፍረ ከም እተበተነን እቲ ሓበሬታ የመልክት።