Thursday, April 10, 2014

ኣመሓደርቲ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ተሓቢሮም።



ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ኣይተ ልኡል ኣበራ ዝተበሃለ ንመሰልጠኒ ሓረስቶት እታ ወረዳ ተባሂሉ ካብ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝተመደበ ባጀት ልዕሊ 600 ሽሕ ብር ምስ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስን ከም’ዉን ተሓዚ ገንዘብን  ብምዃን ኣብ ዉልቀ ጠቕሞም ከም ዘዉዓልዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ሰለስቲኦም ብዘለዎም ናይ ስራሕ ሓላፊነት ተመሻጢሮም ነቲ መፈፀሚ ህዝባዊ መደብ ተባሂሉ ብባይቶ እታ ወረዳ ዝተሰለዐ ገንዘብ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ኣምሲሎም ወፃኢ ብምግባር ተማቒሎም ከም ዝበልዕዎ ዝፈልጥ ፍስሃ ገብረሃንስ ዝተበሃለ መሳርሕቶም ኣብዚ ቅንያት ብወረዳ ደረጃ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ ከም ዘቃለዖም ተፈሊጡ።

ንሱ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ነቲ ገንዘብ ተማቒሎም ከም ዝበልዕዎ ብንፁር ኣቃሊዑ እንተብቅዕ ሰዓቢ ኣካል ስለ ዘይረኸበ። ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ብ24 መጋቢት 2006 ዓ.ም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ቀሪቡ ክሲ ዋላ እኳ እንተመስረተሎም ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበ ክሳብ ናብ ፌዴራል ከይዱ ጥርዓኑ ከስምዕ ከም ዝደልይ እኳ ይዛረብ እንተሃለወ ብሰንኪ ኣብቲ ስርዓት ተስፋፊሑ ዘሎ ግዕዝይና ሰማዒ ኣካል ክረክብ ከም ዘይኽእል ህዝቢ እቲ ከባቢ መዛረቢ ዛዕብኡ ገይርዎ ከምዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።