Tuesday, July 15, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ኣደባይ ዝርከቡ ኣስታት 62 ሓረስቶት ክዝራእ ዘዳለውዎ ናይ ሕርሻ መሬት ከም ዝተመንጠሉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም።



     እዞም ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ኣደባይ ብሕርሻ ዝመሓደሩ ልዕሊ 62 ዝኣኽሉ ሓረስቶት ወገናትና ብሕጋዊ መንገዲ ተዓዲልዎም   ብዙሕ ጉልበት ብምፍሳስ ኣለሳሊሶም ንዘርኢ ዘዳለውዎ ናይ ሕርሻ መሬቶም ብኣማሓደርቲ እቲ ጣብያ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ስለ ዝተመንጠሉ ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝወደቑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እዞም ብዱላት ሓረስቶት ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ፀገም ፍታሕ ንኽግበረሎም ናብ ወረዳ ከይዶም ጥርዓኖም ምስ ኣቕረቡ ዝተወሃቦም መልሲ ንሕና እንፈልጦ ነገር የለን  ኣብ ጣብያኹም ከይድኩም ፍትሕዎ ምስ ተበሃሉ ተስፋ ከይቆረፁ ናብ ዞባ ብምኻድ ዘቕረብዎ ጥርዓን እንተኾነ’ውን ውፅኢት ክረኽቡሉ ከም ዘይከኣሉ ተፈሊጡ።

  እዚ ብሽም ደኒ ዝብል ምኽንያት ብዘይ ሓደ መተካእታ መሬቶም ዝተመንጠሉ ወገናትና ኣብ እዋን ክረምቲ ዝኾነ ዝራእቲ ከይዘርኡ ደው ብምባሎም ቀፃሊ ዓመት ምስ ስድረኦም ንኸቢድ ቑጠባዊ ቅልውላው ከይቃልዑ ኣብ ስግኣት  ወዲቖም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።