Tuesday, July 15, 2014

ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ግዕዙይ ምሕደራ መሬት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ዝመንቀሊኡ ባእሲ ብዙሓት ወገናት ኣካሎም ይጎድሉን ህይወቶም ይስእኑን ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



እሙናት ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ከም ዝሓበርዎ። ብ26 ሰነ 2006 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ጣብያ ማይ ካድራ በዋል ኣብ ዝተብሃለ ናይ ሕርሻ ቦታ በቲ ፅፈት ዝጎደሎ ሽግሽግ መሬት ሓደ ፀጋይ ገብረመስቀል ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ካብ ናይ ጌታቸው ታፈረን ሰለሞን ሃፍተን ዝተብሃሉ ነባራት ሰብ መሬት ተመቒሉ ዝተወሃቦ መሬት ክሓርስ ኣብ ዝኸደሉ እቶም ቀዳሞት ሰብ ዋና ዝኾኑ ጌታቸው ታፈረን ሰለሞን ሃፍተን ናይ መን መሬት ክትሓርስ መፂኻ ብምባል ብበትርን ብፋስን ኣካሉ ቆራሪፆም ደርብየሞ ከም ዝኸዱ ተፈሊጡ።

    እቲ ሞይቱ ኢሎም ኣብ ማእኸል በረኻ ገዲፎምዎ ዝኸዱ ተወቃዒ ፀጋይ ገብረመስቀል ዝተብሃለ ወገን ካልኦት ሰባት ክንቀሳቐሱ ብህይወቱ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩዎ ናብ ሕክምና ዝወሰድዎ እንተኾኑ መንቀሊ ናይ’ዚ ሕዚ ተፈፂሙ ዘሎ ይኹን ቅድም ኢሉ ከጋጥም ዝፀንሐ ባእስን ህይወት ምሕላፍን ባዕሎም እቶም ካድረታት ብዝኽተልዎ ዘለው ዘይፍትሓዊ ምሕደራ መሬት ኣብ መንጎ ህዝቢ ዕግርግር ክፍጠር ብምግባር ኣብ መንጎ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዝገብርዎ ዘለው ሽርሒ ምዃኑ ብዙሓት ነበርቲ ይገልፁ ከም ዘለው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።