Tuesday, July 15, 2014

ኣብ ከተማ ጎንደር ሓያል ዝኾነ ስርቂ ኣስፋሕፊሑ ብምህላዉ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 50 ዝተፈላልዩ መኻዚኖታትን ድንኳናትን ከም ዝተሰረቑ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።



ኣብ ከተማ ጎንደር ስርቂ  ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣዝዩ እናተስፋሕፈሐ ይኸይድ ብምህላዉ ጠንቂ ናይ’ዚ ዝበራኸት ዘሎ ስርቂ ድማ ኣብ’ታ ከተማ ዝርከቡ ኣካላት ፀጥታ ምስ ሰረቕቲ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ይሰርሑ ስለ ዘለውን ለያቡ ዝቆፃፀሮም ስኢኖም ንነባሪ ህዝቢ ኣሸጊረሞ ምህላዎም ንነበርቲ እታ ከተማ መሰረት ብምግባር ምንጭታትና ካብ ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ካብቶም  ዝተዘረፉ ወነንቲ ትካላት ነጋዶ ኣቶ ማሓመድ መስዑድ፤ ኣይተ ዋኘዉ ከበደን ሃለቃ ክፍላይ ኣለምንን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰብ ትካላት ግዳይ ስርቂ ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።