Friday, August 1, 2014

ኣብ ከባቢ መቐለ ዝርከብ ብሕርሻ ዝመሓደር ህዝብና መሬቱ ብዘይ ካሕሳን ተለዋጥን ብኣመሓደርቲ እናተመንጠለ ንኢንቨስተራት ይወሃብ ከም ዘሎ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ሓቢሮም፣፣



ኣብ ከባቢ መቐለ ዝነብሩ ሓረስቶት ወገናትና ፅቡቕ ጌርኩም ኣየልማዕኹሞን መርኣያ ሓረስቶት ኮንኩም ኣይሰራሕኹምን ዝብሉ ዘይጭበጡ ምኽንያታት እናደርደሩ ኣመሓደርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ናይ ሕርሻ ቦታኦም ብዘይ ዝኾነ ካሕሳን ተለዋጢ መሬትን እናመንጠሉ ዝተፈላለዩ ጥቕማ ጥቕሚ ንዝሃብዎም ሰብ ሃፍቲ ኢንቨስተራት ይዕድልዎም ከም ዘለው ተፈሊጡ፣፣

     እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ነባሪ ህዝቢ ከባቢ መቐለ እዚ ብሰበ ስልጣን ገዛኢ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓረስታይ ህዝብና ዝግበር ዘሎ መሬት እናመንጠልካ ንሃፋትም ምዕዳልን ምሻጥን ትኽክል ኣይኮነን እዞም ሓረስቶትት ስድርኦም ብምንታይ ከማሕድሩ ተደልዩ እዩ ከምዚ ዓይነይ ስጉምቲ ዝዉሰድ ዘሎ ክብሉ መረረቶም ይገልፅ ከም ዘለው ኣረዲኡ፣፣