Saturday, August 30, 2014

ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኢህወደግ እናፈረሱ ብምጥፍኦም እቲ ስርዓት ሓደሽቲ ንምምልማል ሓያል ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ተፀሚዱ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።



 ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ እቲ ከም መሰረት ህላዌኡ ጌሩ ዝሓስቦ ሓይሊ ምክልኻል በብመዓልቱ ካብ ኣሃዱታቱ በብመሳርዕ ኮይኑ ይበታተን ይፈርስን ብምህላው ኣብ ከቢድ ስግኣት ስለ ዝወደቐ እሙናት ኣባላት ምክልኻልን ፖሊስን ኣዋፊሩ ሓደሽቲ መናእሰይ ናብ ውትህድርና ንከዕጥቕ ኣብ ምጉስጓስ ከም ዝርከብ ተገሊፁ።

ይኹን ‘ምበር እቶም ጎስጓስ ዝካየደሎም ዘሎ መናእሰይ “ንነዊሕ ዓመታት ምሳኹም ንዝበለዩ ወተሃደራት ብኽብሪ ኣብ ክንዲ ምፍናው ብዘይ መትከሊ እግሪ ደርቢኹም ንዓና’ውን ፅባሕ ክትጠልሙና እንዲኹም” ብምባል ስለ ዝነፀግዎም ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት እቲ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ጭንቕንቕ ኣትዮም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።