Saturday, August 30, 2014

ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ መንጎ ነበርቲ ክልል ትግራይን ዓፋርን ሓያል ግጭት ብምልዓሉ ብዙሓት ሰባት ንሞትን መቑሰልትን ከም ዝተቓልዑ ተፈሊጡ፣፣



    ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ነበርቲ ክልል ዓፋር ወረዳ ኮነባ ጣብያ ዋሕደስ ዝኾኑ ሰባት ካብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ጣብያ እሶት 10 ከፍቲ ካብ ጓሶት መንዚዖም ስለ ዝወሰዱ ነተን ከፍቲ ንከምልሱ ድማ ካብ ጣብያ እሶት ሰባት ምስ ከዱ ኣብ መንጎኦም ተኹሲ ከም ዝተኸፈተ ተፈሊጡ።

    በዚ ዝተኸፈተ ተኹሲ ድማ ካብ ጣብያ እሶት ሓደ ሰብ ሞይቱ ክልተ እንትቖስሉ ካብ ጣብያ ዋሕደስ ድማ ክልተ ሞይቶም 3 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ መንጎ እቲ ዕግርግር ድማ 20 ከፍቲ ካብ ዓፋር ናብ ትግራይ ከም ዝተወሰዳ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።  

     እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ ወረዳ በራሕለ ገማል፤ ከቢል፤ ብራንን ወራየን ዝተብሃላ ጣብያታት ናብ ወረዳ ኮነባ ንሓገዝ ሰባት ስለ ዝኸዱ ሰራዊት እቲ ስርዓት ንይምሰል ኣብ መንጎኦም ከም ዝኣተውን እንተኾነ ግን እቲ ግጭት ክሳብ ሕዚ ክረጋጋእ ከም ዘይከኣለን ተፈሊጡ ኣሎ።

    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ግጭት ብሰንኪ እተን ዝተወሰዳ ከፍቲ ዘይኮነስ እቲ ስርዓት ይኽተሎ ብዘሎ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ መሬትን ከፋፊልካ ግዛእን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብን ክልላትን ብዘሎ ናይ መሬት ይግበአኒ ዝብል ምዃኑ ንምፍላጥ ተካኢሉ።