Monday, August 25, 2014

ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ወሊሶ ኣብ መንጎ ህዝብን ኣባላት ፖሊስን ብዝተልዓለ ግጭት ምኽንያት ብዙሕ ሰላማዊ ህዝቢ ንመቑሰልትን ሞትን ከም ዝተቓልዐ ተፈሊጡ።



ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ወሊሶ ቀበሌ 07 ዝነብር ህዝብና መሬት ናይ መንግስቲ ስለ ዝኾነ ልቐቑ ዝብል መደብ ስለ ዝወረዶ እቲ ነባሪ ህዝቢ ድማ ዓድና ገዲፍና ናበይ ክንከይድ ብምባል ነቲ ትእዛዝ ተግባራዊ ክገብሮ ስለ ዘይከኣለ ብ1 ነሓሰ 2006 ዓ/ም ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዝኸፈቶ ተኹሲ 5 ቀቲሉ 7 ድማ ብከቢድ ከም ዘቑሰለ ተገሊፁ።

   በዚ ምኽንያት ድማ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንፁሃት ወገናትና ብግፍዒ ዝቐተሉ ኣባላት ፖሊስ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ ዝብል ጥርዓን ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ሰማዒ እዝኒ ክረክብ ስለ ዘይከኣለ ክሳብ ሐዚ ድማ ኣብታ ከተማ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ፖሊስን እቲ ህዝብን ሓያል ወጥሪ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።