Saturday, August 30, 2014

ኣብ ክልል ደቡብ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ዞባ ጋሞጎፋ ንምሕደራ ሰርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም።



     ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ልዕሊ 2500 ዝኣኽሉ ነበርቲ ጋሞጎፋ ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዶም ድሕሪ ምግላፅ እዞም ሰልፈኛታት ዘስምዕዎም ካብ ዝነበሩ ጭርሖታት ድማ ፖለቲካዊ ድሕንነት ይገበረልና፤ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ጥዕና፤ ትምህርቲ፤ ደረጃ መነባብሮ ይመሓየሸልና ዝብሉን ካልኦትን ዝጠልብ ከም ዝነበረ ተፈሊጡ።

     እዞም ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝመርሑን ዘተሓባብሩን ዝነበሩ ወገናትና  ኣብ መጀመርያ ነቲ ዘካየድዎ ሰልፊ በቲ ስርዓት ቅቡል ተባሂሉ ተፈቒድሎም ‘ኳ እንተነበረ ድሕሪ እዋን ግን ብተለኣኣኽቲ ናይቲ ስርዓት ብስውር ንምጭዋይ ውሽጢ ውሽጢ ብዝተዋፈሩ ሓይልታት ይህደኑ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ  ገሊፁ።