Monday, August 25, 2014

ዕዳጋ ንምርግጋእ ተባሂለን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብመንግስቲ ዝተኸፈታ ድኳናትን መኽዝናትን ሰበ-ስልጣን’ቲ ስርዓት ነቲ ንብረት ንመሻርኽቶም ዝኾኑ ሃፋትም ይሸጡሎም ከም ዘለው ምንጭታትና ኣቃሊዖም።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ዕዳጋ ንምርግጋእ ተባሂለን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸፈታ ድኳናትን መኽዝናት እቶም ሰበ ስልጣን ናይቲ ስርዓት ናይ’ተን ድኳናትን መኽዝናትን ንብረት ብዝተመጣጠነ ዋጋ ንተጠቃሚ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምክፍፋል ንህዝቢ ከም መሸቀጢ ተጠቒሞም ብሙሉኡ ንመሻርኽቶም ዝኾኑ ሃፋትም ይሸጡሎም ከም ዘለው ተፈሊጡ።

    እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ ስርዓት ኢህወዴግ ብሚድያ እኹል ቀረብ ንህዝቢ የቕርብ ኣለኹ እናበለ ወግሐ ፀብሐ ዝህውትት ዘሎ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ካብ ምዃን ሓሊፉ ህዝቢ ብሰንኪ ሕፅረት ቀረብ ሃለኽቲ ነገራት ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ ኣረዲኡ።