Friday, August 22, 2014

ነበርቲ ዞባ መተከል ወረዳታት ማንቡክን ግልግል በለስን ናይ ሕርሻ መሬቶም ብሓይሊ ተመንጢሉ ንውልቀ ሰብ-ሃፍቲ ዝተዓደሎም ሓረስቶት ብዝተፈላለየ መንገዲ ተቓውሞ የስምዑ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ነበርቲ ዞባ መተከል ወረዳታት ማንቡክን ግልገል በለስን ዝኾኑ ወገናትና ንዓመታት ክጥቀሙሉ ዝፀንሑ ናይ ሕርሻ መሬቶም ብትእዛዝ  ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ተመንጢሉ ንኢንቨስተራት ከም ዝተሸጠ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም ውፅኢቱ ድማ በቲ ሕጋዊ ዘይኮነ ኣካይዳ ናይቲ ስርዓት ዝነደሩ ሓረስቶት ከም መቐፀልታ ተቓውሞኦም በቶም ኢንቨስተራት ዝተዘርአ ናይ ሕርሻ መሬት ከፍቶም ብምእታው የብልዕዎን የበላሽውዎን ከም ዘለው እቲ  ሓበሬታ ገሊፁ።      

     ካብቲ ክልል ከይወፃእና ኣብ ከተማ ኣሶሳ መንግስቲ ዘዋፈሮም ፀረ ደባይ ተባሂሎም  ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ እቲ ከባቢ ፆታዊ ዓመፅ ይፍፅሙ ብምህላዎም እተን ወገናት ግዳይ ኤች ኣይቪ፤ ናይ ስነ-ኣእምሮ ፀቕጥን  ንተመሓላልፍቲ ሕማማትን  ይቃልዓ  ከም ዘለዋ ተፈሊጡ።

    እዞም ዕጡቛት ናይቲ ስርዓት ገበን ንዘይፈፀሙ ነበርቲ እቲ ከባቢ  ይቕጥቅጥዎምን ኣሲሮም የሳቕይዎምን ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ካብቶም ግዳያት ንምጥቃስ ድማ፦ ኣቶ ያየህ እንትኾኑ ንሶም በቲ ዝወረዶም ከቢድ መግረፍቲ ንስንክልና እንትቃልዑ በዓልቲ ቤቶም ድማ ብክልተ ዕጡቛት ከም ዝተደፈረት ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።