Friday, August 22, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ነበርቲ ወረዳ ጋይንት ቅድሚ ዓመታት ንመስርሒ ገዛ ዝውዕል መሬት ንኽዋሃቦም ናብ ቤት ማዛጋጃ ዘቐረብዎ ጥርዓን ግቡእ ምላሽ ክረኽቡ ስለ ዘይከኣሉ መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እዞም ነበርቲ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ጋይንት ዝርከቡ ዘለዎም ሕፅረት መንበሪ ገዛ ክፍታሓሎም ቅድሚ ዓመታት ናብ ቤት ማዛጋጃ ዘቕረብዎ ጥርዓን ዛግድ ክፍታሓሎም ስለ ዘይከኣለ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት መረረቶም ይገልፁ ምህላዎምን ንመስርሒ ገዛ ንኽውዕል ብምሕሳብ ቆሪፆም ዘቕመጥዎ ዕንጨይቲ ድማ  ብፍልሖ ተበሊዑ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከም ዝኾነ  ተፈሊጡ።

    ብተመሳሳሊ ኣብተን ወረዳታት ዝተማልአ መሰረተ ልምዓት ሰለ ዘየለ ከም ውፅኢቱ  ድማ  ወነንቲ  ትካላት ንግዲ ንኽሳራ ምቅልዖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ መብራህቲ ንነዊሕ መዓልታት ስለ ዝቋረፅ ነበርቲ ኣብ ዕለታዊ መነባብረኦም ከቢድ ፀገም የጋጥሞም ከምዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሃበሬታ የመልክት።