Friday, August 22, 2014

ብደረጃ ሃገር ዝተገብረ ወሰኽ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ልዑል ደመወዝ ንዝወስዱ ተጠቐምቲ ዝገብር ብምዃኑ ብርክት ዝበለ ተቓዉሞታት የስዕብ ከም ዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።



ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ ስራሕተኛታት መንግስቲ ወሰኽ መሃያ ገይረሎም ክብል ብሚድያታቱ ዝነዝሖ ወረ ካብ 1,244 ብር ንላዕሊ ደመወዝ ንዝወስዱ ካድረታቱን ኣባላቱን ንምጥቃም ኢሉ ዝገብሮ ብምዃኑ ትሑት ደመወዝ ዝኽፈሉ ሰራሕተኛታት ተጠቀመቲ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኖም ብሰንኪ እቲ ወሰኽ መሃያ ዝሰዓበ ክብሪ መናባብሮ ንዝኸፈአ ፀገም መነባብሮ ተቓልዕና ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ሓያል ተቓዉሞ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከቡ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣረዲኦም።

 ብተወሳኺ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 1,244 ብር ደመወዝ ዝኸፈሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንኽብዶም ዝሓደሩ ተለኣኣኽት ናይ’ቲ ስርዓት ደኣ እምበር እቲ ኣብዝሓ ሰራሕተኛ ትሕቲ 1,244 ብር ስለ ዝኽፈሎ በቲ ተገይሩ ዝበሃል ዘሎ ወሰኽ ደመወዝ ምምሕያሽ መነባብሮ ዘይኮነስ ብናህሪ ዋጋ ዕድጋ ንዝኸፈአ ፀገም ብምቅልዖም በብከባብኦም ተወዲቦም ነቲ ዝተገብረ ወሰኽ ደመወዝ ተቓዉሞ ኣብ ምስማዕ ከም ዘለዉ ኣመልኪቱ።

ካብቶም ተቓዉሞ  ዘስምዑ ዘለው ሰራሕተኛታት መንግስቲ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መምህራን ቤት ትምህርቲ ራስ ደስታ
Ø ኣብ ጎንደር መምህራን ወረዳ ጋይንት ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ
Ø ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ኣንከሻ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካልኦትን ምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ እቲ ናይ ተቓዉሞ ምንቅስቓስ ኣብ መላእ ሃገር ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይግለፅ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ።