Saturday, August 9, 2014

ኣብ ወልቃይት ፋብሪካ ሽኮርመንግስቲ ካብ ዝተፋላለዩ ከባቢታት ዝኣኻኸቦም ስራሕተኛታት ገንዘቦም ኣብ እዋኑ ይኽፈሎም ብዘይምህላዉ ብሕፅረት መግቢ ነቲ ስራሕ እናራሕሪሕዎ ይኸዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ወልቃይት ጣብያታት ማይ ገባን ቆራሪትን  እቲ ስርዓት ንፋብሪካ ሽኮር ኢሉ ሒዝዎ  ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ሕርሻ መሬት ንኽሰርሑ መንግስቲ ዝኣከቦም ሰራሕተኛታት  መሃያኦም ኣብ ግዚኡ ሰለ ዘይተኸፈሎም ብሕፅረት መግቢ ስለ ዝተሸገሩ ነቲ ስራሕ ራሕሪሖም ነናብ ዓዶም ኣብ ምምላስ ከም ዝርከቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቶም ካብ ዓዲ ጎሹ፤ ማይ ካድራን ሑሞራን መንግስቲ ስራሕ ኣሎ ኢሉ ዝኣከቦም መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ዋጋ ረሃፆም ኣብ እዋኑ ስለ ዘይተዋሃቦም ብሕፅረት መግቢ ስቓይ ምስ በዝሖም ንዝምልከቶም ኣካላት ናይ’ቲ ትካል ሓቲቶም ዝሰምዕም ብዘይ ምርካቦም ተማሪሮም ካብ 21 ሓምለ 2006 ዓ/ም ጀሚሮም ነናብ ዓዶም ኣብ ምምላስ  ከም ዝርከቡ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።