Saturday, August 9, 2014

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ዝርከቡ ተወለድቲ ካልኦት ብሄር ዝኾኑ ሰብ ትካል ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ግብሪ ክኸፍሉ ብምግዳዶም ትካላቶም ይዓፅዉ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ’ቲ ክልል ዝርከቡ ተወለድቲ ካልኦት ክልላት ዝኾኑ ወገናት ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ እናኣሰረ ምስ ስራሕቲ ንግዶም ዘይመጣጠን ግብሪ ክኸፍሉ የገድዶም ብምህላዉ ክኸፍሉ ዓቕሚ ዝሓፀሮም ሰብ ትካላት ድማ  እናኣሰረን እናኣሳቐየን ትካሎም ክዓፅዉ የገድዶም ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

   ካብ’ቶም ተገዲዶም ትካሎም ዝዓፀዉ ዜጋታትና ናይ ገሊኦም ኣስማት ንምጥቃስ፦ መንእሰይ ሃፍታሙ ወርቄ ዝተብሃለ ተወላዲ ብሄረ ኣምሓራ ሰራሕተኛታት ቆፂሩ ንነዊሕ ንዓመታት ክሰርሓሉ ዝፀንሐ ትካል መፀባበቒ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ስራሕ ፍቓድ ኣይዓደልናካን ብምባል ፍቃድ ንግዱ ኣሕዲጎም ድሕሪ ምወሳድ ፀኒሖም ድማ ልዕሊ ዓቕሙ ግብሪ ክኸፍል ከም ዝገበርዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ድሕሪ እቲ ክፍሊት ድማ እቲ ትካል ክዕፆ ከም ዝተገብረ ንግዳይ ምርኩስ ብምግባር ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።