Thursday, October 23, 2014

ሓለፍቲ ሓይሊ መብራህቲ ክልል ትግራይ መዐደጊ መሳርሒ ናዉቲ ተባሂሉ ዝተመደበሎም ገንዘብ የጠፋፍእዎ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣





ከም ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ቢሮ ሓይሊ መብራህቲ ክልል ትግራይ ሓላፊ ዕደጋ ትራንስፎርመርን ካልኦት ኣቁሑትን ዝኾነ ኣይተ ክፍሎም ቀሺ ዝተብሃለ ዉልቀ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ 2006 ዓ/ም ዓመታዊ ባጀት ካብ ሓይሊ መብራህቲ ክልል ትግራይ ንትራንስፎርመር መዕደጊ ተባሂሉ ዝተውሃቦ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ምስ ሓደ ትካል ህንዲ ብምምሽጣር ፅሬቱ ዘይሓለወ ትራንስፎርመር ብምዕዳግ እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኡ ከም ዘዉዓሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

    እቲ ሓላፊ ዝነበሮ ሓላፍነት ስራሕ ተበሊፁ ገንዘብ መንግስቲ ከም ዘጠፋፈአ ብገለ ግዱሳት ሰራሕተኛታት ተነቒሕሉ ዝምልከቶም ኣካላት ተሓቢርዎም እናሃለወ ብእዋኑ ኣብ ቁፅፅር ከዉዕልዎ ስለ ዘይከኣሉ፤ ንከይትሓዝ ካብ 28 መስከረም 2007 ዓ/ም  ኣትሒዙ ካብ ሃገር ወፂኡ ከም ዝጠፈአ ድሕሪ ምግላፅ፤ ነቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሓላፍነት ድማ  ነሃቱ ምክትል ዝነበረ ኣይተ ካሕሱ ዝተብሃለ ተኪኡ ክሰርሕ ተመዲቡ ከም ዘሎ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣