Thursday, October 23, 2014

ኣብ ከባቢ በረኸት መሬት ሓሪሶም ክጥቀሙ ዝፀንሑ መናእሰይ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ከም ልሙድ እኽሊ ዘሪኦም ፅቡቕ ምህርቲ ንምሕፋስ ምስ ተቓረቡ ብኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ተኣሲሮም ከም ዘለው ተፈሊጡ፣




ብመሰረት ካብ’ቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከባቢ በረኸት ዝርከብ ብመንግስቲ ዝዉነን ሰፊሕ መሬት ብዘይ ዝኾነ ፍርያት ክባኽን ዝተዓዘቡ መናእሰይ፤ ክረምቲ መፀ እኽሊ እናዘርኡ ንብዙሕ ዓመታት ክጥቀምሉ ከም ዝፀንሑ ድሕሪ ምጥቃስ፤ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ’ዉን ሰሊጥ ከም ዝዘርእዎ ዝተዓዘቡ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ እዚ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ ኢለሞም እኳ እንተነበሩ፤ እቶም መናእሰይ ግን ብጀካ እዚ ሕርሻ መሬት ከም ዘይብልና እናፈልጥኩም መዳበርያ ብግዴታ ምስ ሃብኩምና ከይንኸስር ክንብል ዘሪእናዮ ምስ በልዎም ቅቡል ገይረሞ ስቕ ኢሎም ከሪሞም ሕዚ ዘይፈልጡ መሲሎም ብምቕራብ የንከላብትዎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ኣማሓደርቲ ከባቢ በረኸት እቶም ዘሪኦም ዝኸረሙ መናእሰይ ነቲ ሰሊጥ ምእንቲ ከይዓፅድዎ ብ5 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ወሲዶም ኣብ እሱር ዳጒኖሞም ከም ዝርከቡ ድሕሪ ምግላፅ፤ እቶም ኣመሓደርቲ ሕዚ ነዚ ተግባር ዝፍፅምሉ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሰሊጥ ፅቡቕ ፍረ ሒዙ ስለ ዝረኣይዎ ነዚ ሽርሕታት ምሂዞም ኣብ ዉልቃዊ ጥቕሞም ከዉዕልዎ ስለ ዝደለዩ እዮም ክብል ነባሪ ሕብረተሰብ ይዛረብ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ፣
ካብቶም ዝተኣሰሩ መናእሰይ ንምጥቃስ፦ ሙላት ኣዳነ፤ ክፍላይ ክፍለ፤ ኣደራጀዉ ገብረማርያምን ካልኦት ንግዚኡ ሽሞም ዘይተፈለጡን ዝርከብዎም ከም ዝኾኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣