Thursday, October 23, 2014

ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ብኣኽበርቲ ፀጥታ ንዝወርዶ ዘሎ ግፍዒ ብምቅዋም ኣብ ልዕሊ እቶም ግፍዐኛታት ሓለፍቲ ክሳብ ናይ ምቕታል ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ተገሊፁ፣





   ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ዝርከብ ሕብረተሰብ ብኣኽበርቲ ፀጥታ ዝብሃሉ ሓይልታት ከቢድ ግፍዕታት ይወርዶም ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ነባር ተጋዳላይ ምክ/ሓለቓ ሚእቲ ኣንባቸዉ ታየ ዝተበሃለ ዜጋ፤ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቤተሰቡን ንፁህ ነባሪ ሕብረተሰብን ግፍዕታት ዝፍፀምን ዘፈፅምን ዝነበረ ኣይተ መንበረ ማህደር ንዝተበሃለ ሓላፊ ፀጥታ ናይቲ ዞባ ብስቕታ ክሓልፎ ስለ ዘይክኣለ  ብ1/ ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ብጥይት ከም ዝቐተሎ ተፈሊጡ፣

    ኣንባቸዉ ታየ ነቲ ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱ ባዕሉ ናብ ፖሊስ ጣብያ  ከይዱ ኢዱ ብምሃብ “ቤተሰበይን ህዝበይን ካብ ሕጊ ወፃኢ እናተሳቐየ ስቕ ኢለ ክርኢ ኣይክኣልኩን” ክብል ቃሉ ከም ዝሃበ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብሰንኪ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዕታት  ኣብ ወርሒ ግንቦት 2007 ዝካየድ መረፃ ነባሪ ህዝቢ እቲ ከባቢ ናዕቢ ከየልዕል ካብ ብሕዚኡ ክትትልን ሓለዋን ይካየደሉ ምህላዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣