ምንጭታትና
ከም ዝሓበርዎ፣ ኣብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ወለጋ ከተማ ጭሮ
ካድረታት ኢህወዴግ ብኣባላቶም ኣቢሎም ውሽጣ ውሽጢ ብዘላብዕዎ ከፋፋልን ዓሌታውን ወረ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ሓያል ግጭት ተላዒሉ
ብሰንኩ ድማ ክልተ ተማሃሮ ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።
ሰበስልጣን ገዛኢ ኢህወዴግ ነዚ እከይ ተግባር ከሳዉሩ
ዘገደዶም ቀንዲ ምኽንያት ነቲ ግርጭት ተቓወምቲ ከም ዘሳወርዎ ኣምሲሎም
ንምቕራብ እቶም ተማሃሮ ምስ ወለዶም ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ጌጋ ርድኢት ንክሕዙ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።