Wednesday, November 26, 2014

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ወርሓዊ ባጀቶም ብሓለፍቲ ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዝተበልዐ ተገሊፁ።



   ብመሰረት ሓበሬታ እሙናት ምንጭታትና፣ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ባጀቶም በቶም ሓለፍቲ ከም ዝተበልዐ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ካብዚ ብምብጋስ ድማ ባጀትና ኣይተጠቐምናሉን፤ ብኣካላት ኣመራርሓ ተበሊዑ፤ ብከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ንሳቐ ኣለና ክብሉ፣ ሓያል ተቓዉሞ ከም ዘልዓሉ ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ፣ ነቲ ዝተልዓለ ተቓውሞ ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስቶም ተማሃሮ ተረዳዲኦም ክፈትሕዎ ብዘይምኽኣሎም ናይ’ቲ ስርዓት ዕሱባት ዝኾኑ ፌደራል ፖሊስ ናብ’ቲ ቐፅሪ ዩኒቨርሲቲ ብምእታዉ ብሓይሊ ከም ዝዓገትዎ ኣፍሊጡ።
   ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ከም’ዚ ዓይነት ባጀት ምጥፍፋእ እናጋጠመ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ተማሃሮ ፀገም ከም ዘጋጥም ዘሎ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ዜና እወጃና እናገለፅና ምፅናሕና ዝዝከር እዩ።