Tuesday, November 11, 2014

ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ቤንሻንጉልን መሬት ዝመበጊሲኡ ግጭት ተላዒሉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ንሞት ከም ዝተቓልዑ ይግለፅ ኣሎ፣




    ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ። ብ20 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ቤንሻንጉልን ዝርከብ ፍሉይ ሽሙ መተከል ዝተበሃለ ቦታ። ተወለድቲ ብሄራት ኣምሓራን ትግራይን ዝኾኑ ዉልቀ ሰባት መሬት ሓሪሶም ዘሪኦም ዝኸረሙ እንትኾኑ። ዝራእቶም ኣብ ዝእክብሉ እዋን እቶም ተወለድቲ ክልል ቤንሻንጉል ዝኾኑ ሰባት ድማ መሬትና ስለ ዝኾነ ምቐሉና ምስ በልዎም። ኣይንመቅልን ብዝብል ብዝተልዓለ ግጭት 6 ሰባት ከም ዝሞቱን ብዙሓት ድማ ከም ዝቖሰሉን ተፈሊጡ፣
    
    እቶም ዝሞቱ ወገናት። ክልተ ካብ ኣምሓሩ፤ ሰለስተ ካብ ተጋሩን ሓደ ድማ ካብ ቤንሻንጉል ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ። እቲ ውጥረት ሕዚ’ውን  ብዝኸፈአ መልክዑ ይቕፅል ከም ዘሎን እቲ ገዛኢ ጉጅለ ነዚ ግጭት ንምርግጋእ ዝገብሮ ዋላ ሓንቲ ምንቅስቓስ ከም ዘይብሉ እኳ ዳኣስ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ። ኮነ ኢሉ  እቲ ዕግርግር ኣብ ምግዳድ ውሽጣ ውሽጢ ተንኮላት ይፍሕስ ከም ዘሎ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ይገልፁ ምህልዎም ተፈሊጡ ኣሎ፣