Saturday, December 6, 2014

መሰል ብሄር ብሄረሰባት ሕቶ ህዝቢ ብምምላስ ጥራይ ይረጋገፅ!!



መሰል ህዝቢ ዝረጋገፅ ንፁር ህዝባዊ መስመርን ሃገራዊ ፍቕሪ ዘለዎ ስርዓትን ምስ ዝህሉ ጥራይ’ዩ።
 ህዝብታት ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰሎም ተሓልዩ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብሰላምን ስኒትን ምንባር እንተዘይኪኢሎም፤ ማዕረ ተጠቀምቲ ሃፍቲ ሃገሮም ኮይኖም ብዘይ ኣድልዎን ኣፈላላይን ምንባር እንተዘይኪኢሎም፤ ዝመስሎም ሓሳብ ክገልፁን ይሓሸና ንዝበልዎ ደጊፎም ኣይፋል ንዘብልዎ ድማ ነቒፎምን ዝኸድሉ ፍትሓዊ አሰራርሓ እንተደአ ዘይወኒኖም ብዛዕባ ምኽባር መሰል ብሄር ብሄረሰባት አልዒልካ ምጉስጓስ ፋይዳ አይብሉን።
     ኣብ ሃገርና ዘሎ ፀረ ህዝቢ ስርዓት ምእንተ ቀፃልነት ዕድመ ስልጣኑ ክብል ዘይተኣደኑ መደናገርቲ በዓላት ደርዲሩ ህዝቢ ብዘይኣመነሉ መንገዲ ብኣስገዳድ እንተብዕልን ናይ ሸፈጥ ጓይላ ተኺሉ እንተኹድድን ምርአይ ልሙድ ኮይኑ አሎ። እንተኾነ በዞም መደናገርቲ በዓላት ዝዓግብን ንሕቶታቱ መልሲ ዝረኸበ ህዝቢ ግን ከቶ ክርከብ ኣይተኻአለን።
    ስርዓት ወያነ ኢህወደግ ዓመት መፀ በዓላት ብምድርዳር ንገዛእ ህዝቡ ከደናግርን ምስሉ ሓቢኡ ሓላይ ህዝቡን ሃገሩን ኮይኑ ክቐርብን ዝፍትን ዘሎ። ከምኡ እንከይገበረ ስልጣኑ ክቕፅል ስለዘይኽእል’ዩ፣ እንተኾነ ግን በቶም ኣብ ምሉእ ሃገር ዝፍፅሞም ዘሎ ፀረ ህዝቢ ተግባራት ፈፂሙ ካብ ህዝቢ ክሕባእ ከም ዘይከኣለን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ነዚ ስርዓት’ዚ ብምቅዋም ዓመፅን ግጭትን ክረኣዩ ግድን እናኾኑን’ዮም።
አብ’ዚ ሕዚ እዋን ስርዓት ወያነ ኢህወደግ-
- አብ ሕቑፊኡ ኮይኖም ንዝቃለሱ ውድባትን ኣባላቶምን ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ወንጀላት ብምልጣፍ ይፍፅሞ ዘሎ ቃልሲ ናይ ምድካም ተግባር ኣብ’ቲ ዝካየድ ምስሉይ ሃገራዊ መረፃ በይኑ ተወዳዲሩ ተዓዊተ ንምባል ዘካይዶ ዘሎ ምንቅስቓስ፤
- ንመራሕቲ ሃይማኖትን ኣገልገልቲ ቤተክርስትያንን ዝኾኑ ኣቕይሽቲ ከይተረፈ ደገፍትን ተሓባበርትን ተቓወምቲ ኢኹም ብምባል ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምፍርራሕን ምእሳርን ስጉምቲ፤
- አብዚ ዓመት እዚ ብፍላይ 2007 ዓ/ም ኣብ ዝግበር መረፃ ግምት ዘእተወ ብላዕለዎት ሰበስልጣን እቲ ስርዓት በብደረጅኡ ንዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ኣኼባ ክፅመድ ብምግባር ኣብ ዘካየድዎ ጎስጓስ ህዝቢ ብኣስገዳድን ፅዕንቶን ምስታፉ ከይቐሪ ንዘቅረቦም ቅኑዕ ሕቶታት ከም ሓደ ፀረ ህዝብን ፀረ-ልምዓትን ገይሮም ብምቑፃር ኣብ ልዕሊኡ ፀገማት ምብፃሕ፤
- አብ ዝተፈላለየ ከተማታት ህዝቢ ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ብለይቲ ይኹን ብቐትሪ ፅሑፋት ብምብታን ተቓውምኡ ኣብ ዘካይደሉ ግዜ ኣብ መንገዲ ንዝተረኸቡ ብጅምላ ናይ ምእሳርን ምስቓይን ስጎምቲ ምውሳድ፤
- የስግኡ እዮም ንዝበሎም ተቓወምቲ ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ተቓባልነት እንተደኣ ኣሕዲሮም ኣብ መንጎ ህዝቢ ግርጭት ክፍጠርሞ ሂወት ሰብ ክጠፍእ ምግባር። ዕላምኡ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣደናጊርካ እቲ ጎንፂ ብሽርሒ ቶም ተቓወምቲ ውድባት ከም ዝተኣልመ ገይሮም ብምቕራብ ካብቲ ህዝቢ ክንፅልዎ ምፍታን፤
- ሕብረተ-ሰብ በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ህዝብታት ዝካየድ ዘሎ መሰሪ ተግባራት ብዝግባእ ዝፈልጦ እኳ እንተኾነ። ካድረታት ወያነ ግን ከምልሙድ ከካይድዎ ንዝፀንሑ መርዛም ጎስጓሳት ኣጠናኺሮም ብምቕፃል ብፍላይ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ናይ ባዕሎም ክፋእ እናሸፈኑ ናይ ዝሓለፉ ስርዓታት ተግባር ብዝወቅስ መንገዲ ዘካይድዎ ዘለዉ ምስሉይነት ንምኽባር መሰል ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ዘርኢ ዘይኮነስ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ዝፍፅምዎ ዘለው ዓፈናን ምግሃስ ኩሉ ዓይነት ናይ ዴሞክራሲ ተፃብኦታትን ኣጉሊሑ ዘርኢ’ዩ።
   ስለዚ እዚ ስርዓት እዚ መሰል ብሄር ብሄረሰባት ዘኽበር ሕቶ ህዝብታት ዘዳምፅ፤ ንምምሳል ተባሂሉ ዘይኮነስ ብልቢ ኣብ ተግባር ንምውዓል ዝንቀሳቐስ፤ ንትርግታ ህዝቢ ኣዳሚፁ ምስ ህዝቡ ተማኺሩን ተዛትዩን ዝሰርሕ፤ ንኽራይ ኣካብነት ኣተሓሳስባ ኣወጊዱ ቅድሚ ውልቃዊ ረብሕኡ ንጥቕሚ ህዝቡን ሃገሩን ቅድሚት ዝሰርዕ፤ ንህዝቡ ብዓሌትን ከባብያውነትን ከይጎሰየ ንኹሉ ብማዕረ ዝጥምትን ብዘይ ኣፈላላይ ፍትሓዊ ምሕደራ ከስፍን ዝፅዕርን ስርዓት ስለ ዘይኮነ መሰል ብሄር ብሄረሰባትና ክኽበር ትፅቢት ዝግበረሉ አይኮነን።