Wednesday, December 17, 2014

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ከተማ መቐለን ምሁራንን ኢህወዴግ ዘስጉሞ ዘሎ ስርዓት ካፒታሊዝም ንድኻ ሕብረተሰብ ዘማእኸለ ኣይኮነን ብምባል ከም ዝተቓወምዎ ምንጭታትና ካብታ ከተማ ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



   ብመሰረት’ቲ ኣብዚ ቅንያት ብመዓርግ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ፋሲል ንብሄር ብሄረሰብ ወኪሎም ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምሁራትን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲን ዝተሳተፉሉ ናይ ፓነል ዘተ ምክያዱ ድሕሪ ምግላፅ እቶም ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ፓነል ስርዓት ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዘሎ ስርዓት ካፒታሊዝም ንድኻ ሕብረተሰብ  ዘየማእኸለ ኣካይዳ ስለ ዝኾነ ንሃገርና ዝረብሕ  ኣይኮነን  ብምባል ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቶም ተሳተፍቲ እቲ ፓነል ኣብ ሓሳቦም  ኢህወዴግ መበገሲ ዕላማ ቃልሱ ንድኻ ዝሓቖፈ ስርዓት ከም ዝኽተል ይንግር እኳ እንተነበረ ድሕሪ ስልጣን ምቁፅፃር ግን ኩሉ ዝበሃል ዝነበረ ተረሲዑ ነቲ ውፅዕ ህዝቢ ጠሊምኩም ንሃፍታማት ጥራሕ ዘርብሕ ስርዓት ካፒታልዝም ትኽተሉ ኣለኹም ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ጠላም ስርዓት ዘለዎም ፅልኣት ብምረት ከም ዝገለፁ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።