Wednesday, December 17, 2014

ኣብ ከተማ ሽረ “ሓየሎም ሽረ ባንኪ ቑፅሪ 2ተ” እናተብሃለ ዝፅዋዕ ባንኪ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ባርዕ ሓዊ ከም ዝኣጎዱሉ ተፈሊጡ።



   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ሽረ ዝርከብ ሓየሎም ሽረ ባንኪ ቑፅሪ 2 ኣብ ዝተብሃለ ባንኪ AGM መለለይ ዘለዎ ናይ ባንኪ ካርዲ ቁፅሪ እናመላእኻ ገንዘብ ዝወፀሉ ሳንዱቕ  መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ናብቲ ባንኪ ክርቢት ሒዞም ብምእታው ነቲ ብካርዲ ዝሰርሕ ናይ ገንዘብ ሳንዱቕ ንምቅፃል ሓዊ ከም ዝኣጎዱሉ ድሕሪ ምግላፅ እንተኾነ እቲ መቃፀሊ ዝተጠቐሙሉ ነዲዱ ብርቱዕ ጨና ስለ ዝፈጠረ ዋርድያ ናይቲ ባንኪ ነቲ ዝተበገሰ ባርዕ ሓዊ ምስ ገለ ሰባት ብምዃን ከም ዘጥፈኦ ተገሊፁ።
   እቶም ሓዊ ዝኣጎዱ ሰባት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ድኻ ህዝቢ ርትዓዊ ብዘይኮነ ወለድ ልቓሕ ዉሰዱ እናበለ መመዝመዚ ካብ ዝጥቀመሎም ትካላት ሓደ ብምዃኑ በዚ ዝቐሓሩ ነቲ ገንዘብ ዝሓዘ ሳንዱቕን ካልእ ሰነዳትን ብሓዊ ንምቅፃል ዝፈፀምዎ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።